Thursday , May 16 2024
South African President Cyril Ramaphosa (AP Photo/Themba Hadebe) XTH115

ፕረዚደንት ደብብ ኣፍሪቃ፡ ብኮቪድ ተለኺፉ

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሲሪል ራማፎዛ፡ ብኮቪድ ከም እተታሕዘን ኣብ ሕክምና ከም ዝርከብን ተገሊጹ። ዛጊት ፍዂስ ዝበለ ምልክታት ጥራይ ከም እተራእዮ BBC ወሲኻ ኣረዲኣ።
ራማፎሳ፡ ትማል ሰንበት ኣብ ዘመነ ኣፓርታይድ ፕረዚደንት እታ ሃገር ንዝነብረ ደ ክለርክ ዝተዳለወ ናይ ዝኽሪ ፕሮግራም እናተኻፈለ ተጸሊኡኒ ኢሉ ከም እተሰናበተ እቲ ዜና ጸብጺቡ። በዚ ድማ ኣብ ስነስርዓት እቲ ዝኽሪ እተሳተፉ ኲሎም ናብ ሕክምና ብምኻድ መርመራ ክገብሩ ለበዋ ቀሪቡሎም ኣሎ።
ራማፎሳ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝኾና ናይጀርያ፥ ኣይቮሪ ኮስት፥ ጋናን ሰነጋልን ምብጻሕ ጌሩ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። ፕረዚደንት ራማፎሳ፡ ምሉእ ክትባት ዝወሰደ ኮይኑ ኣብዚ እዋን ንምክትሉ፡ ዴቪድ ማምቡዛ፡ ምሉእ ሓላፍነት ሂብዎ ኣሎ።
ኣብ ዓለምና ሻቕላ ፈጢሩ ዝርከብ ጅር ኦሚክሮን ፈለማ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም እተረኽበ ዝፍለጥ እዩ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com