Friday , May 17 2024
Johan Nilsson/TT

ፖለቲከኛታት ስኮነ ናይ ዶብ ደውታ ነጺጎም። 

ብምኽንያት ቅልውላው ዩክሬይን መንግስቲ ንዶባት ዝምልከት እማመ ምምሕያሽ ሕጊ ኣቕሪቡ’ሎ። ካብ ዝመጽእ 8 ሚያዝያ  ጀሚሩ ብባቡር፡ መርከብ ይዂን ኣውቶቡስ ናብ ሽወደን ዝኣትዉ ሰባት ኣብ ዶባት ሽወደን መንነት ወረቐት ዝሕተተሉ ነቚጣታት ክግበር እዩ። እንተኾነ ግና ብመሰረት ዜናታት ውሽጢ ሃገር ፖለቲከኛታት ዞባ ስኮነ ነዚ እማመ ነጺጎሞ ኣለዉ።

“ናይ  መንነት ወረቐት ምሕታት ነቶም ኣብ ዞባ ኡረሱንድ ዝንቀሳቐሱ ዓብዪ ሽግር እዩ ክኸውን” ክብል ኣቦመንበር ቦርድ ቆንስል ስኮነ ካርል ጆሃን ሰነሰን ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ አመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com