Wednesday , May 15 2024

ፖለቲከኛ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ንሶርያ ከዕርፍ ንዝኸደ ስደተኛ መሰል ዕቚባኡ ክሕደግ ሓቲቱ።

ኣፈኛ ፖሊሲ ምውህሃድ ስደተኛታት ዲሞክራትስ ሽወደን ዝኾነ ሄንሪክ ፈንግ ሓደ ሶርያዊ ኣብ ሶርያ ከዕርፍ ብምኻዱ ናይ መንበሪ ፍቓዱ ክሕደግ ጸዊዑ። እዚ ዝተባህለ እዚ ሶርያዊ ስደተኛ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዘካየዶ ዕላል ናብ ሶርያ ንዕረፍቲ ምብጽሑን ዝበዝሕ ክፋል ዓዱ ሰላም ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ እዩ። “እዚ ሰብ ካብ ኲናት ኣምሊጠ ኢሉ እዩ መንበሪ ፍቓድ ሓቲቱ ኔሩ፥ ሕጂ ሃገሩ ሰላም እንተኾይኑ ኣብ ዓዱ ክተርፍ ኔርዎ፥ ናብዚ ዘምስል ኣይነበሮን” ክብል እቲ ፖለቲከኛ ተዛሪቡ።

እቲ ስደተኛ ኣብቲ ቃለመጠይቕ ሶርያ ዝበዝሐ ክፋላ ሰላም ከም ዝኾነ እኳ እንተረኣየ ንስደተኛታት ሶርያ ናብ ዓዶም ምምላስ ግና ከም፡ዘይድግፍ ይገልጽ። እዚ ዝበለሉ ምኽያት እንከብርህ ድማ ዝበዝሑ ሰባት መንበሪ ኣባይቶምን ንብረቶም ብምዕናዉ መጽለሊ ከም ዘይብሎም ብምግላጽ እዩ። ኣብ ቀረባ እዋን ብኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ሽወደን ዝወጸ ሓድሽ ሕጊ ኲነታት ሶርያ ናብ ሰላም ምምላሱን ሶርያውያን ብተዛማዲ ውሑስ ሃገር ከም ዘለዎምን ምግላጹ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com