Friday , May 17 2024

ፖለቲካዊ ሰልፍታት ሽወደን ብ ክፍሊ ኢመግረሽን ዝውሃብ መንበሪ ፍቓድ ኣመልኪተን ርሱን ክትዓት የካይዳ ምህላወን ተገሊጹ።

 እቲ ቅድሚ ዝመጽእ ዘሎ ሃገራዊ ምርጫ ሽወደን፣ ኩለን ፖለቲካዊ ሰልፍታት ሽወደን ዝርዕማሉ ፖሊሲ ኣብ ሕቶ ኢመግረሽን ንኽህሉ ብዝብል ዕላማ፣ ንኽትዕ ናብ ባይቶ ሽወደን ዝቐረበ ርእይቶ ኣብ ኢድ እቲ ናይ ኩለን ርእይቶ ኣብዚ ጉዳይ ጠሚሩ ከቕርብ ዝተመደበ፣ ኮሚተ ኢመግረሽን ሰፊሕ ክትዕን ናይ ሓሳብ ግጭትን ይካየደሉ ከምዘሎ፣ ኣገልግሎ ዜና ተተ ንቡዙሓት ኣባላት እቲ ኮሚተ ብምዝርራብ፣ ዝዘርግሖ ዜናዊ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።

ገለ ካብቲ ናብ ክትዕ ቀሪቡ ዘሎ፣ ግዚያዊ ምሃብ ፍቓድ መሰረታዊ ሕጊ ክኸዉን፣ ናይ ሰለስተ ዓመት ገደብ ግዜ ተባሂሉ ዝዋሃብ መንበሪ ፍቓድ ሰለስተ ዓመት ተወሲኽዎ ሽዱሽተ ዓመት ክኸዉን፣ ቀዋሚ መንበሪ ፍቕድ ንምርካብ፣ ፈተና ቋንቋን ሕብረተሰባዊ ኣፍልጦ ሽወደን ከምኡ እዉን ቁጠባዊ ትሕዝቶን ነብስኻ ምኽኣልን ከም ቅድመ ኩነት፣ ሕጊ ክኸዉን ዝብልን ካልኦት ነጥብታትን ዝርከብዎም ተጠቓሊሉ ከምዘሎ እቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ብዛዕባ እዚ ኣብ ሰንበት ንግሆ ኣብ ተለቪዝዮን ኣልኮፒስ ትግርኛ መደብ ዜና መጽሔት ክትከታተሉ ንዕድም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com