Friday , May 17 2024

ፖለቲካውያን ሰልፍታት ምስ መንግስቲ ንኸይተሓባበራ ምውሳነን፡ ዘሕዝን ስጉምቲ እዩ ይብል ሎቬን

ኣብ እዋን ቅልውላው ለበዳ ኮሮና፡ መንግስቲ ሽወደን፡ ንኣተሓሕዛ ጉዳይ ለበዳ ኮሮና ብዝምልከት፡ ስትራተጂ ንምሕንጻጽ፡ ምስ ኩሎም ፖለቲካውያን ወገናት ዝርርብ ብምክያዱን ኣብ ስምምዕ ምብጽሑን፡ ንዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓ ሽወደን ዘንጸባረቐሉ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቬን፡ ገሊጹ።

ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ኣብ ዝውስኸሉ ዘሎ እዋን፡ ገለ ፖለቲካውያን ሰልፍታት፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዝነበሮም እምነትን ምስ መንግስቲ ዝነበሮም ናይ ምትሕብባር መንፈስን ከጉድሉ ክርኢ እንከለኹ፡ ብጣዕሚ ሓዚነ፡ ክብል፡ ሎቬን፡ ኣብ ገጻት ውልቃዊ ሒሳብ ፌስ ቡክ ድሕሪ ምግላጹ፡ ንጉዳያት ትምህርቲ፡ ስራሕ ኣልቦነትን ማሕበራዊ ጉዳያትን ከምኡ ውን ኣንጻር ገበናትን ናይ ገበን ጉጅለታትን ብሓባር ንምስራሕ፡ ሃገራዊ ሓድነት ከድልየና እዩ ክብል ጸዊዑ።

ብዛዕባ ንዕዳጋታት ሽቕለት ተባሂሉ ተመዲቡ ዘሎ ሓገዝ ኣመልኪቱ፡ ኣስታት 75 ሽሕ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታት ክፈጥር ከምዝኽእል ኣስሚርሉ።

ጉዳይ ስራሕ፡ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ እዩ። ንነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ናይ ስራሕ ዕድል ምፍጣር ማለት፡ መሰረት ናይቲ መንግስቲ ክተግብሮም ዝደሊ ተወሰኽቲ መደባት እዩ። ተወሰኽቲ ሰባት ናይ ስራሕ ስድላት ምስ ዝረኽቡ፡ በቲ ዝኸፍልዎ ግብሪ ኣቢልካ፡ ተወሰኽቲ ኣባላት ፖሊስን ሓካይምን ኣብ ምቑጻርን ከምኡ ድማ ተወሳኺ መጠን ክፍሊት መልዕሎ (ጥሮታ) ከነውሕስ ክንክእል ኢና ክብል ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com