Friday , May 17 2024

ፖሊስ ማልመ፡ ዝተፈላለዩ ዓይነት ኣጽዋር ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ የእትዮ

ትማሊ ሓሙስ ምሸት፡ ፖሊስ፡ ኣብ ሓደ ኣብ ሄስትሆገን (Hästhagen) ዝርከብ መንበሪ ገዛ፡ ዝተፈላለዩ ዓይነት ኣጽዋር ረኺቡ ክብል SVT ኣመሓላሊፉ።

ናይ ተፍቲሽ  ስርሒት ንኸነካይድ ዘገደደና፡ እቲ ካብ ሓደ፡ ኣብ ትሕቲ መርመራ ፖሊስ ዝርከብ ሰብ፡ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ እዩ ክትብል ወሃቢት ቃል ፖሊስ፡ ኢቭሊና ኦልሰን ሓቢራ።

ብርክት ዝበላ ኣሃዱታት ፖሊስ፡ ካብ ከባቢ ሰዓት 5 ናይ ምሸት ጀሚረን፡ ኣብቲ ከባቢ ተፍቲሽ ከካይዳ ድሕሪ ምምሳይ፡ ዝተፈላለዩ ዓይነት ኣጽዋርን ተባራዕቲ ባእታታትን ረኺቦም፡ ኣብ ከባቢ ሰዓት 11 ድማ እቲ ስርሒት ተዛዚሙ።

ኣብቲ እዋን ስርሒት፡ ዝኾነ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ ከምዘይነበረን እቲ ተባራዒ ባእታ ድማ እቲ ኣብ ግዜ ባዓላት ዝጥቀምሉ ሕብራዊ ሃልሃልታን ጠራዕራዕን ዝፈጥር ባእታ ምንባሩ፡ ፖሊስ፡ ኣብ ኤሌክትሮኒካዊ መርበብ ሓበሬትኡ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com