Friday , May 17 2024

ፖሊስ ሽወደን ኣብ ባንክ ኣይዲ(Bank ID) ሰባት ዝይዳ ጥንቃቐ ክገብሩ ኣተሓሳሲቡ!!

ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ ኣዛውንቲ ናይ 1.5 ሚልዮን ክሮነር ምጥፍፋእ ተፈጺሙ ተባሂሉ። ኣብ ኦስቶርሽን ዝቕመጡ ኣርባዕተ ኣዛውንቲ ፋይናንሳዊ ምትላል ዘጋጠሞም ኣብ ባንክ ንሰርሕ ኢና ዝብሉ ዘይፈልጥዎም ሰባት ጻውዒት ድሕሪ ምግባሮም እዩ።

ፖሊስ ኣብ ዝገበርዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሰባት ንዘይፈልጥዎም ጻውዒታት መልሲ ካብ ምሃብ ክቚጠቡ ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ። ካብ ቀረባ ግዜያት ኣትሒዙ ናይ ባንክ መለለዪ ወረቐት ብምምንዛዕ ብዙሕ ስርቂ ምፍጻሙን ዝበዝሑ ግዳያት ከኣ ኣዛውንቲ ምዃኖምን ተገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com