Friday , May 17 2024

ፖሊስ ሽወደን ወርቐት መንነቶም ክዕቐበሎም ይሓቱ!!

መንግስቲ ቊጽሪ ካርድ ካብ ወረቐት መንነቶም ክሓብኣሎም ፖሊስ ሽወደን ሓሳብ ኣቕሪቦም። ፖሊስ ነዚ ዝሓተቱ ኣብ ጒጅለታት ገበን እተዋፈሩ ሰባት መንነቶም ብምፍላጥ ካብ ተልእኾኦም ከየታርፍዎም ብምስጋእ ምዃኖም ገሊጾም ኣለዉ። ጒጅለ ገበን ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ዘውርድዎ ዘለዉ ጒድኣታት ኣብ ግምት ብምእታው ነዚ ሕቶ ከቕርቡ ከም እተቐሰቡ ሓላፊ ሕጋዊ ጒዳያት ሃገራዊ ፖሊስ ማርቲን ቫልፍረድሰን ሓቢሩ’ሎ። “ሎሚ ኣድራሻ ሰብን ካልእ ዝርዝራትን ናይ ካልእ ሰብ ምፍላጥ ንድሕነት ናይቲ ሰብ ሓደገኛ ክገብሮ ይኽእል እዩ” ክብል ድማ ወሲኺ ኣብሪሁ’ሎ። እዚ ጒዳይ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ውሳነ ክወሃቦ እዩ ዝብል ትጽቢት ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com