Friday , May 17 2024
Prime Minister of Poland Mateusz Morawiecki (John MacDougall / Pool Photo via AP) DMSC123

ፖላንድ፡ ንተወሳኪ እገዳታት ትዳሎ

ፖላንዳዊ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ማተዩዝ ሞራወስኪ፡ ድሕሪ ምስ ናይ ጀርመን ቻንስለር ነበር ኣንጀላ መርከል ኣብ በርሊን ኣብ ዝገብሮ ዝርርብ፡ ኣብ ዶብ ፖላንድን ቤላሩስን ዘሎ ቅልውላው ንክብእስ ኣብ ሓደጋ ከምዘሎን፡ እዚ እንተ ደኣ ኣጋጢሙ ከኣ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣንጻር ስርዓት ሚንስክ ግድን ድምጹ ከትርር ክዳሎ ከምዘለዎ ተዛሪቡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ንሱ ወሲኩ ከምዚ ክብል ተዛሪቡ “ግድን ንተወሳኪ እገዳታት ክንዳሎ ኣሎና፡ ንንግዲ ‘ውን ዘማልአ” እዚ ካብ በርሊን ዝወጽአ መግለጺ፡ ኣብ ሓደ ግዜ፡ ምስቲ ናይ ሩስያን ቤላሩስ ነፈርት ውግእ ምስ ፖላንድ ኣብ ዘራክብ ዶብ ቤላሩስ ኣብ ሓለዋ ተዋፊረን ነይረን ዝብል ሓብሬታ ኣብ ዝተዘርጋሓሉ ምኳኑ ተሓቢሩ።
ኤውሮጳዊ ሕብረት ገለ ካብቲ ንቤላሩስ ዝወቕሰሉ ነገራት፡ ብበረራ ነፈርቲ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ኣሽሓት ሰባት ብምምጻእ፡ ዶብ ሰጊሮም ፖላንድ ንክኣትው ምፍታን ‘ዩ። እቲ ምክንያት፡ ድልየት ቤላሩስ፡ ድሕሪ ናይ ነሓሰ 2020 ፕረዝደንታዊ ምርጫ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ሰልፍታት ዝተከተለቶ ዓማጺ ኩነታት ሲዒቡ፡ ብኤውሮጳዊ ሕብረት ንዝተነበረላ እገዳታት፡ ሕነ ንምፍዳይ ዝቅነዐ ምዃኑ ተገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com