Wednesday , May 15 2024

13 ኩባንያታት ሽወደን ኣብ ዝርዝር ጸሊም መዝገብ (Black list) ዓለማዊ ባንክ ኣትየን።

ዓለማዊ ባንክ፡ ነተን ብገንዘባዊ ብልሽውና ዝኽሰሳ ኣስታት 2000 ዝኾና ኩባንያታት ኣብ ዝርዝር ጸሊም መዝገቡ ኣስፊርወን ከምዘሎን ካብኣተን ድማ እተን 13 ኩባንያታት ሽወደን ምዃነን ነቲ ጸብጻብ ምርኩስ ብምግባር ተለቪዥን ሽወደን ኣቃሊሑ። ኣብ ናይ ጸዓት፡ ኣሃዛዊ ውሕስነትን (digital security) ኣህጉራውያን ኣማኸርቲ (international consulting) ዝነጥፋ ኩባንያታት ገለ ካብተን 13 ኩባንያታት ሽወደን እየን።

ዓለማዊ ባንክ፡ ነዘን ኣብ ጸሊም መዝገቡ ኣስፊርወን ዘሎ ኩባንያታት ብመንገዱ ኣብ ዝካየድ ወፍርታት ይኹን ምወላ ንኸይኣትዋ ዝእግድ እዩ። ግዜ ናይቲ እገዳ ካብ ዝተወሰኑ ዓመታት ክሳብ ንዘልኣለም ዘሎ ግዜ ዘብል ከም ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ። ዓለማዊ ባንክ፡ ንብልሽውና ከም ቀንዲ ዕንቅፋት ናይ ምዕባለን ካብ ድኽነት ናይ ምንጋፍን ዝግበር ጻዕርን ገይሩ ከምዝወስዶ፡ ዋና ጸሓፊት ትካል ጸረ-ጉቦ ሽወደን ዝኾነት ናታሊ ኢንጊስታም ፋሊን ገሊጻ።

እዘን ኣብ ጸሊም መዝገብ ሰፊረን ዘለዋ ኩባንያታት መብዛሕትአን ብዓለማዊ ባንክ ኣብ ዝተመወሉ ዓበይትን ኣድማዕትን ፕሮጀክታት ዝነጥፋ ዝነበራ ኮይነን ድሒሩ ኣብ ዝተገብረ መጽናዕቲ ግን ናይ ብልሽውና ገበናት ይፍጽማ ከም ዝነብራ ዓለማዊ ባንክ ዘረጋገጾ ምዃኑ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com