Wednesday , May 1 2024

ቤተ ክርስትያን ሽወደን፡ ንብዝሒ ምትእኽኻብ ሰባት ናብ 20 ክብ ክብል ትጠልብ

ካብ ዕለት 24 ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ክውዕል ትጽቢት ዝግበረሉ፡ ንብዝሒ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ናብ 8 ሰባት ጥራይ ዘጉድል መምርሒ ኣመልኪታ፡ ቤተ ክርስትያን ሽወደን፡ ፍሉይ ሓለፋ ክግበረላ ትሓትት። ነቶም ኣብ ቤተ ክርስትያን ዝካየዱ ስነ ስርዓት ጥምቀት፡ መርዓ፡ ቐብርን ካልኦት ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ብዝምልከት እቲ ቁጽሪ ናይ ምትእኽኻብ፡ ክሳብ 20 ሰባት፡ ክብ ክብል ጠለባ ናብ መንግስቲ ሽወደን ከተቕርብ እያ።

እዚ ሓድሽ መምርሒ፡ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዘለዎ ኣሉታዊ ጽልዋ፡ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ክኸውን እዩ። ሓዘንተኛታት፡ ንዝተፈልይዎም ፈተውቶም ብዝግባእ ኣገባብ ከፋንውዎም ምእንቲ፡ ጠለብና ተቐባልነት ክረክብ ተስፋ ንገብር ክትብል ምክትል ሓላፊ ጨንፈር ቤተ ክርስትያን ሽወደን፡ ሊዛ ጆን ቢርነርስቲድት፡ ን SVT ሓቢራ።

ሓዘንተኛታት ንዝተፈልይዎም ፈተውቶም ኣብ ዘፋንውሉ እዋን፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንኸየጋጥም፡ ዝግባእ ምድላዋት ጌርና ኣለና ክትብል፡ ቢርነርስቲድት፡ ብምውሳኽ ሓቢራ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com