Tuesday , May 30 2023
Breaking News

ኮረና ቫይረስ

May, 2022

  • 25 May

    ልዕሊ 65 ንዝዕድሜኦም ሓሙሻይ ብልቃጥ ክትብት ክወሃብ እዩ።

    ኣብዚ ጽድያ፡ ኲሎም 65ን ልዕሌኡን ዝዕድሜኦም፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኣሰካፊ ኲነታት ጥዕና ኣለዉ ተባሂሎም እተገምገሙ ሰባት፡ ሓሙሻይ ብልቃጥ ክትባት ጸረ ኮቪድ-19 ክወሃብ ምዃኑ፡ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። “እዚ ለበዳ ገና ኣየብቅዐን” ክትብል ሚኒስተር ጥዕናን ማሕበራዊ ጒዳያትን ሽውደን ሌና ሃለንግሬን ትማል ሰሉስ፡ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ምሕባራ፡ እታ ሬድዮ ወሲኻ ገሊጻ’ላ። እዚ ብልቃጥ ክትባት፡ ካብ ባሕቲ መስከረም ኣትሒዙ ድሉው ክኸውን እዩ፡ ክብል ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ኣፍሊጡ’ሎ።

April, 2022

  • 26 April

    ኣብ ወርሒ ግንቦት ቊጽሪ ሕሙማት ኮቪድ ብዕጽፊ ክውስኽ ይኽእል እዩ ተባሂሉ።

    ኣብ እንኣትዋ ዘለና ወርሒ ግንቦት፡ ዝያዳ ሕሙማት ኮቪድ ናብ ሆስፒታላት ክመጹ ከም ዝኽእሉ፡ ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ምትንባዩ፡ ኣገልግሎት ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ መዓልታዊ 25 ሕሙማት ኣብ ሆስፒታል ከም ዝእለዩ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ኣብ መፋርቕ ዝመጽእ ወርሓ ግንቦት ግና፡ እዚ ኣሃዝ ብዕጽፊ ክውስኽ እዩ ክብል ዳገንስ መዲሲን ጸቢጺቡ’ሎ። ኣብዚ ካብ ሚያዝያ 20-ሓምለ 20 ክዝርጋሕ እዩ ተባሂሉ ተነብዩሉ ዘሎ ተርእዮ፡ መዓልታዊ ኣስታት 60 …

  • 6 April

    ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ብሪጣንያ ሓድሽ ጅር ኮቪድ ተረኺቡ።

    ኣብ ብሪጣንያ ‘XE’ ዝተሰምየ ሓድሽ ጅር ቫይረስ ኮቪድ-19 ከም እተረኽበን እዚ ጅር ቫይረስ ካብቲ BA.2 ዝተባህለ ዓሌት ብዝያዳ ፍጥነት ናይ ምልባዕ ዓቕሚ ከም ዘለዎን ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ኣመልኪቱ።  እዚ ጅር ናይ (XE) ናይ BA.1 ከምኡውን BA.2 ንኡስ ዓሌታት ኮቪድ ምውሳብ ዝፈጠሮ እዩ ክብል ፊንላንድ እንግሊሽ ኒውዝ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣመልኪቱ።  “እዚ ሓድሽ ጅር ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ጥሪ 19 ናይዚ …

  • 5 April

    ኤጀንሲ ጥዕና፡ ኲሎም 65ን ልዕሊኡን ዝዕድሜኦም ራብዓይ ብልቃጥ ክትባት ክወስዱ ኣዚዙ።

    ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ነቶም ኣብ ኣብ ዕድመ 65ን ልዕሊኡን ዘለዉ ሰባት ራብዓይ ብልቃጥ ክትባት ክወስዱ ኣዚዙ’ሎ።. እዚ እናኾነ ዕድሜኦም 80ን ልዕሊኡን ዝኾኑ ሰባት ባህርያዊ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሞም መታን ከይደክም ካልኣይ ዙር መበራትዒ (ቡስተር) ክትባት ክወስዱ ምትሕስሳቡ ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪታ። ካብ 18-64 ዝዕድሜኦምን ባህርያዊ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ዝተዳኸመን ዘበሉ ራብዓይ ብልቃጥ ክትባት ክወስዱ ከም ዝግባእ እቲ አጀንሲ ወሲኹ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።  …

March, 2022

  • 9 March

    ዞባታት ነርሲታት ኣብ ምምጻእ ብዙሕ ወጻኢታት ይገብራ ኣለዋ ተባሂሉ።

    ዝሓለፈ ዓመት ዞባታት ሽወደን ግዜያዊ ኣባላት ክንክን ጥዕና ንምምጻእ ክሳብ 6 ቢልዮን ክሮና ወጻኢ ከም ዝገበራን እዚ ድማ ምስ ኣብ ዓመተ 2020 ዝነበረ ወጻኢ እንክወዳደር ናይ 12% ወሰኽ ከም ዘርኣየ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። ክሳብ 40% ካብዘን ነርስታት ካብ ናይ ስራሕ ኤጀንሲታት ዝተረኽባ ኮይነን ናብ ግዜያዊ ስራሕ ናይ ምቕያር ዝንባለታት  ከም ዘለወን እዩ ዝግለጽ። ነርስታት ኣብ ዕዳጋ ሽቕለት ዘለወን ዋጋ ካብ …

  • 4 March

    ሽወደን ንሕማም ኮቪድ-19 ካብ ዝርዝር ሓደጋኛ ሕማማት ክትኣልዮ እያ ተባሂሉ።

    መንግስቲ ሽወደን ካብ ወርሒ ሚያዝያ ንደሓር ን ሕማም ኮቪድ-19 ካብ ዝርዝር ማሕበራዊ ሓደጋ ዘስዕቡ ሕማማት ክኣልዮ ውጥን ከም ዘለዎ ተገሊጹ። በዚ ኣቢሉ ድማ ንሕጊታት ለበዳ ክስርዞ ምዃኑ ካብ መርበብ ሓበሬታ ኖርወይ ቱደይ ዝተረኽበ ዜና የመልክት። መንግስቲ ሽወደን ንኽልቲኡ እዚ እማመታት ናብ ባይቶ ሪክስዳግ ከቕርቦ እዩ። “ብመሰረት ዝገበርናዮ ገምጋም ንኣዋጅ ለበዳ ሕጂ ምስራዝ ግዜኡ ኣኺሉ እዩ,” ክትብል ሚኒስተር ማሕበራዊ ጒድያት ሌና …

February, 2022

  • 24 February

    ምስ ምልዓል መምርሒታት ኮቪድ ካርኒቫላት ይበራበሩ ኣለዉ።

    ካርኒቫላት ኣብ መላእ ዓለም ዳግማይ ይጅመር ኣሎ። ብፍላይ ኣብተን ኩነታት ለበዳ ኮሮና ህድእ ዝበለለን ዓዲታት እተኸትቡ ዜጋታት ብናጽነት ኣብዚ ዝፈትዉዎ በዓል ካርኒቫል ይሳተፉ ምህላዎም ተገሊጹ። ንኣብነት ብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ርእሰ ከተማ ቦሊቭያ ላ ፓዝ ኣብ ዝተጸንበለ በዓል ካርኒቫል ንግስቲ ካርኒቫል ዳያና ሞሊና ከም ዘድመቐቶ ጸብጻብ ዶቸቬለ ኣመልኪቱ።

  • 24 February

    ፕሮቲን ትሕዝቶ ዘሎዎ ክትባት ተዳልዩ ከምዘሎ ተሓቢሩ

    እቶም ገና ኣንጻር COVID-19 ኽኽተቡ ዘይከኣሉ ሰባት ነቲ ብልምዲ ዝማዕበለ ኖቫክሶ ቪድ ዝበሃል ክትባት ክወሃቦም ከም እተሓበረ ራዲዮ ፍልጠት ዝተባህለ ማዕከን ጸብጻብ ሂቡ ኣሎ። ኣብ ባዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ሓላፊ ተማሓላለፍቲ ሕማማት ኣቶ ኣንደሽ ተግኔል እቲ ብባህላዊ መገዲ ዝተሰርሐ ኮይኑ ዝኾነ ጸገም ከምዘይብሉ ጥራይ ዘይኮነ፣ ዝደንቕ ክታበት ኢዩ ብምባል ሞያዊ ትንታነ ሂቡሉ ኣሎ። እዚ ኸኣ ነቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ክታበት …

  • 22 February

    ኖርዌይ ሓድሽ ክብረ-ወሰን ኮሮና።

    ብሰንኪ ኣብ ዩክሬይን ዘሎ ጸጥታዊ ወጥሪ ሽወደን ንገለ ኣባላት ኤምባሲኣ ካብ ኪየቭ ናብ ዓዶም ክምለሱ ጌራ። “ብሰንኪ ጽንኲርን ክትንበዮ ዘሸግርን ጸጥታዊ ኲነታት ኤምባሲና ኣባላቱ ካብ ኪዬቭ ከጒድል ወሲኑ’ሎ” ክትብል ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ኣን ሊንድ ገሊጻ’ላ። ቤተሰብ እቶም ኣባላት ኤምባሲ ብመሰረት እቲ ሚኒስትሪ ዝገብሮ ጻውዒት ድሮ ናብ ሽወደን ተመሊሶም ኣለዉ። ንምዕባለታት እቲ ከባቢ ብኣንክሮ ይከታተሎ ምህላዉ ዝገለጸ እቲ ሚኒስትሪ ብዘይካ …

  • 21 February

    ኦስትራልያ ዶባታ ን ኣህጒራዊ በጻሕቲ ከፊታ።

    ኦስትራልያ ንኽልተ ዓመት መመላእታ ተዓጽያ ድሕሪ ምጽናሕ ዶባታ ንኣህጒራውያን በጻሕቲ ከፊታ’ላ። እዚ ውሳነ ነቶም ምስ ስድራኦም ተፈላልዮም ዝጸንሑ ሰባት ዓብዪ ሓጎስ ፈጢሩሎ። ብዘይካዚ ጽላት ቱሪዝም ኣብ ምብርባር እውን ተወሳኺ ኣወኦታዊ ስጒምቲ ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ። ኦስትራልያ ብምኽንያት ኮቪድ ካብ መጋቢት 2020 ኣትሒዛ ኣዝዩ ጽንኲር ናይ ጒዕዞ መምርሒታት ኣጽኒዓ ምጽንሓ ዝፍለጥ እዩ። ኦስትራልያውያንን ካልኦትን ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሕዞም ክምለሱ እኳ እንተተፈቒደሎም ወጻእተኛታት ግና …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com