March, 2021
-
5 March
ሃገረ ሱዳን፡ ፍርያት ኩባንያ ኣስትራ ዘነካ ዝኾነ ክታበት ተቐቢላ
ሃገረ ሱዳን፡ ብረቡዕ ዕለት 03/03/2021፡ ብመንገድ ኮቫክስ ኣቢሉ፡ ፍርያት ኩባንያ ኣስትራ ዘነካ ዝኾነ ክታበት ከምዝተቐበለት ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር፡ ዓብደላ ሓምዱክ፡ ብመንገዲ ውልቃዊ ሒሳብ ትዊተር ገሊጹ። እዚ ኣብ ቀዳማይ እብረ ዝመጸ 820 ሽሕ ብልቃጥ ክታበት፡ ሓደ ክፋል ካብቲ ብመንገዲ ኮርቫክስ ንሱዳን ክበጽሕ ተመዲቡ ዘሎ 3.4 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ምዃኑ እቲ …
-
5 March
ዲጂታላዊ ምስክርነት ክታበት፡ ኣብ ወርሒ ሰነ ንኽዳሎ፡ እማመ ቀሪቡ
ሃገረ ሽወደን፡ ዲጂታላዊ ምስክርነት ክታበት፡ ካብ ዕለት 01 ሰነ 2021፡ ንኽትጅምር ብመንገዲ ሚኒስተር ዲጂታላዊ ስራሓት፡ ኣንደሽ ኢገማን (Anders Ygeman) እማመ ከምዝቐረበ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ብዙሓት ብቱሪዝም ዝናበራን ካልኦት ኤውሮፓውያን ሃገራት፡ ናይ መጓዓዝያ እገዳታት ተወዲኡ ናብቲ ንቡር ንኽምለስ፡ ነዚ ናይ ክታበት ምስክርነት ይጽበያ ምህላወን ዝፍለጥ እዩ። ኣብ ሽወደን፡ ዲጂታላዊ ምስክርነት …
-
5 March
ሓላፊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት (Social)፡ ካብ ስርሑ ተባሪሩ
ኣብ ሓንቲ ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆልም፡ ሓደ ሓላፊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ብሰንኪ ኣብ ወርሒ የካቲት ናይ ዓመተ 2021፡ ዝፈጸሞ በደል፡ ካብ ስርሑ ከምዝተባረረ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከተማ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ ሓላፊ፡ ኣባል ናይቶም ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ዝሰርሑ እኳ እንተዘይኮነ፡ ቀዳማይ ብልቃጥ ክታበት ኮቪድ-19 ከምዝወሰደ ድሕሪ ምፍላጡ፡ እቲ ምምሕዳር …
-
5 March
ሃገረ ዴኒማርክ፡ ክታበት ኣስትራ ዘነካ ንሽማግለታት ክትህብ ምዃና ትሕብር
ሃገረ ዴኒማርክ፡ ጸረ ኮሮና ክታበት ዝኾነ ፍርያት ኩባንያ ኣስትራ ዘነካ ዝኾነ ክታበት ንልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ሽማግለታት ክትወግእ ክትጅምር ምዃና በዓል መዚ ጥዕና ዴኒማርክ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ ሓደ እንግሊዛዊ መጽናዕቲ፡ ክታበት ኣስትራ ዘነካ፡ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ሰባት ከጋጥም ንዝኽእል ሓደጋ …
-
4 March
ሩስያዊ ክታበት፡ ስፑንቲክ ቪ፡ ብኤውሮፓዊ ሕብረት ተቐባልነት ክረክብ ከምዝኽእል ተሓቢሩ
ኤውሮፓዊ ኤጄንሲ መድሃኒት (EMA)፡ ንሩስያዊ ፍርያት ክታበት ስፑንቲክ ቪ፡ ክግምግም ጀሚሩ ከምዘሎን እዚ ድማ ከም ቀዳማይ መድረኽ ንተቐባልነት ናይቲ ክታበት ክኸውን ከምዝኽእል ኤጄንሲ ፍርያት መድሃኒት ሓቢሩ። እዚ ክታበት፡ ብመንገዲ ኤውሮፓዊ ሕብረት ካብ ዝግምገሙ (ዝጽንዑ) ዓይነታት ክታበት፡ መበል 7ይ ክታበት ኮይኑ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ፡ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ንሰለስተ ካብዞም ክታበታት ተፈላጥነት ሂቡ …
-
3 March
ኣብ ማህጸን ኣዲኡ እንከሎ፡ ብኮቪድ-19 ዝተለኽፈ ዕሸል ተወሊዱ
ኣብ ምምሕዳር ስኮነ ዝርከብ ሆስፒታል ዩኒቨርስቲ ስኮነ፡ ሓደ ክልተ መዓልታት ዝዕድሚኡ ቅድሚ እዋኑ (premature) ዝተወልደ ዕሸል፡ ብኮቪድ-19 ተለኺፉ ከምዝተረኽበ ሓደ ሕክምናዊ ጆርናል ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ምልክታት ሕማም ኮቪድ-19 ዘለዋ ነፍሰጾር ናብ’ቲ ሆስፒታል ምስ መጸት፡ ኩነታት ናይቲ ዕሸል ንምፍላጥ ኣብ ዝተገብረ መርመራ፡ ሕጽረት ኦክሲጂንን ድኹም ህርመት ልብን ከምዘለዎ …
-
3 March
ሆላንድ፡ ኣብ ሓደ ማእከል ኮቪድ-19፡ ሓደጋ ኖትጒ ኣጋጢሙ
ኣብ ሰሜን ኣሚስተርዳም እትርከብ ከተማ ቦቨንካርሽፕል (Bovenkarspel) ዝርከብ ሓደ ማእከል ኮቪድ-19፡ ሓደጋ ኖትጒ ኣጋጢሙ ክብል ፖሊስ ሆላንድ ሓቢሩ። በቲ ዝተኸስተ ኣጋጣሚ፡ መሳኹቲ ናይቲ ማእከል ከምዝተሓምሸሸን ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝወረደ ጉድኣት ብዝምልከት ግን ዝተረኽበ ሓበሬታ የለን። እቲ ከባቢ ድሕሪ ምሕጻሩ፡ ፖሊስ፡ መርመራ ከካይድ ከምዝጀምረ ሓቢሩ። ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ እቲ …
-
2 March
ኣብ መንስትሮስ (Mönsterås) እትርከብ ቤት ትምህርቲ፡ ለበዳ ኮሮና፡ ኣስፋሕፊሑ
ኣብ መንስትሮስ (Mönsterås) እትርከብ መባእታ ቤት ትምህርቲ፡ ለበዳ ኮሮና፡ ከምዝተራእያን ከም ሳዕቤኑ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሳምንታት፡ 30 ተማሃሮን 20 መማህራንን ብኮሮና ቫይረስ ከምዝተለኽፉ ጋዜጣ ባሮሜተርን (Barometern) ኣብ ዓምድታቱ ኣስርፊሩ። እዞም ቁጽርታት፡ ክሳብ ሕጂ ተፈሊጦም ዘለዉ ኮይኖም፡ ወለዲ፡ ኩነታት ደቆም ተኸታቲሎም ሓበሬታ ምስ ሃቡና፡ እቲ ቁጽሪ ክዛይድ ተኽእሎታት ኣሎ። ስለዚ፡ ወለዲ …