Tuesday , March 19 2024
(AP Photo/Mary Altaffer, File) NYNR305

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ብሪጣንያ ሓድሽ ጅር ኮቪድ ተረኺቡ።

ኣብ ብሪጣንያ ‘XE’ ዝተሰምየ ሓድሽ ጅር ቫይረስ ኮቪድ-19 ከም እተረኽበን እዚ ጅር ቫይረስ ካብቲ BA.2 ዝተባህለ ዓሌት ብዝያዳ ፍጥነት ናይ ምልባዕ ዓቕሚ ከም ዘለዎን ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ኣመልኪቱ። 

እዚ ጅር ናይ (XE) ናይ BA.1 ከምኡውን BA.2 ንኡስ ዓሌታት ኮቪድ ምውሳብ ዝፈጠሮ እዩ ክብል ፊንላንድ እንግሊሽ ኒውዝ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣመልኪቱ። 

“እዚ ሓድሽ ጅር ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ጥሪ 19 ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ኣብ ብሪጣንያ እዩ ተረኺቡ” ክብል ውድብ ጥዕና ዓለም ኣመልኪቱ’ሎ። 

ዛጊት ብሪጣንያ 637 ሕሙማት እዚ ሓድሽ ጅር ከም ዝረኸበትን ሰለስተ ተዋሰብቲ ዓሌታት ማለት  XF, XE ን  XD ን ምልላዮም ክኢላታት ኤጀንሲ ድሕነት ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ (UKHSA) ወሲኾም ገሊጾም ኣለዉ። 

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com