Wednesday , May 1 2024

ኖርወይ፥ ብ ሓድሽ ጅር ኮቪድ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሕሙማት ን ማእከላት ክታበት ይመልኡወን

With just over 28,000 new cases of COVID-19, which is the highest listing in a single day during the entire pandemic (Claus Bech/Ritzau Scanpix via AP) AMB806

ጸጸኒሖም ዝቕልቀሉ ዘለዉ ጅራት ቫይረስ ኮቪድ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኖርወጃውያን ምልካፎም፡ በዚ ድማ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ቀውዒ ህድእ ኢለን ዝነበራ ማእከላት ክታበት ምምልአን ተገሊጹ። ዋላ’ኳ ገለ ሰብመዚ ጥዕና ሕጂ መርመራ ኣድላዪ ከምዘይኮነ ይገልጹ እንተሃለዉ፥ ኣብያተ መድሃኒት ኖርወይ ባዕልኻ እትምርምረሉ ናውቲ ብብዝሒ ከም ዝሸጣ ሓቢረን ኣለዋ። ኣብ ሰሜን ኖርወይ ሃድሰል ዋና ሓላፊ ሕክምና ዶክተር ኢንገብዮርን ብላይድቪን ትማሊ ረቡዕ ንመንግስታዊ ፈነወ ኤን.ኣር.ኬ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ድሕሪ ሕጂ ንዝበዝሑ ሰባት ብጉንፋዕ ወይ Covid ምሕማም ከም ስግኣት ኣይክረአን እዩ ” ኢሉ። ስለዚ ድማ ሰባት መርመራ ምግባርብምቊራጽ ገንዘብ ክቑጥቡ ይግባእ ክብል ኣተሓሳሲቡ’ሎ። ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ኣውራጃ፡ ድሕሪ ሕጂ ቫይረስ ኮሮና ንህዝቢ ሓደገኛ ኣይኮነን ብዝብል፡ ን ደረጃ ኣስጋእነት እቲ ቫይረስ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ብወግዒ ቀይርዎ’ሎ። እዚ ይዂንምበር ብዙሓት ዝሓመሙ ሰባት ብኮቪድ ተጠቒዖም እንተኾይኖም ክፈልጡ ዝደልዩ ይመስሉ። “መሸጣ ናውቲ መመርመሪ ኮሮና ካብቲ ኣብ እዋን በዓላት ቀውዒ ዝነበረ ብሸውዓተ ዕጽፊ ዓብዩ’ሎ” ክብል ሲልየ ኤንስሩድ ካብ ሰንሰለት ፋርማሲ ኣፖቴክ 1 ንኤን.ኣር.ኬ ሓቢሩ’ሎ። “ካብ ለካቲት 2022 ጀሚርና ክንድ’ዚ ዝኣክል ናውቲ ​መርመራ ሼጥና ኣይንፈልጥን ኢና” ክብል ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ዝተራእየለን ሰሜናዊ ኖርወይ ዝርከባ ገለ ፋርማሲታት ብፍላይ መሸጣ ናውቲ መመርመሪ ጓሕጒሐ ንከምዝሸጣ ተፈሊጡ። ሓደ እዋን ናውቲ መርመራ ብትካላት ጥዕና ኣውራጃን ከባብን ብነጻ ይዕደል ነይሩ፡ ሕጂ ግን ክሳብ 120 ክሮነር (ከባቢ 12 ዶላር ኣመሪካ) ይሽየት ኣሎ ። ዛጊት መርመራ ክገብሩ ዝምከሩ፣ እቶም ድኹም ስርዓተ ምክልኻል ዘለዎም ወይ ሕክምና መንሽሮ ጥራይ እዮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com