Saturday , April 27 2024

ኮረና ቫይረስ

March, 2020

  • 27 March

    እሙን ጸብጻብ ብዛዕባ ለበዳ ኮቪድ-19

    ካብ ሕማም ለበዳ ብኸመይ ከምትቚጠብ ኣብ’ዚ ታሕቲ ብዙሓት ምዕዶታት ተመልኪቶም ኣለዉ። ንባዕልኻን ንኻልኦትን ካብ ለበዳ ሕማም ተኸላኸል Skydda dig själv och andra på tigrinja. ካብ ጥቓ ዝሓመሙ ሰባት ምዃን ተቖጠብ። ከምኡ ምስትገብር ንባዕልኻን ንኻልኦትን ከይትሓሙ ትኸላኸል ኣለኻ ማለት’ዩ። ካብ ሕማም ለበዳ ብኸመይ ከምትቚጠብ ኣብ’ዚ ታሕቲ ብዙሓት ምዕዶታት ተመልኪቶም ኣለዉ። እንተ ሓሚምካ ኣብ ገዛ ኹን ዝሓመምካ ኾይኑ እንተ ተሰሚዑካን ነድሪ ኣፍጫ(ዓፍ-ዓፍታ)፡ …

  • 26 March

    ሽጋራ ዘትክኹ ሰባት ብ ኮሮናቫይረስ ናይ ምድኻም ተኽእሎኦም ዝለዓለ እዩ ተባሂሉ።

    ምትካኽ ሽጋር ዘቋርጹ ሰባት ናይ ምክልኻል ዓቕሞምን ጥዕና ሳናቡኦምን ክብ ከም ዝብል ክኢላታት ሕማማት ለበዳ ፕሮፌሰራት ኣን ሚያን ሱ ኣሌማን ሓቢረን ኣለዋ። ብኻልእ መዳይ ኣትኸኽቲ ሽጋራ ለበዳ ኮሮና ዝያዳ ከም ዘጥቅዖም ኣብ ቻይና ኣብ ልዕሊ 78 ግዳያት ዝተገብረ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። እዚ ንኽልተ ሳምንቲ ሕሙማት ብምክትታል እተበጽሐ መደመደምታ እዩ።

  • 25 March

    ኣብ ሽወደን 95 ናይ ክዳን ዱኳናት (ትካላት) ተዓጽየን።

    ኣብ ሽወደን ዝርከባ 95 ዝብዝሐን ትካላት ናይ “ሎንድ ፋሽን፡ ፍላሽን ዲያ ኣልኪንሶን” ብሰንኪ ቫይረስ ክሮና ዘስዓቦ ምጥፋሽ ትካላተን ክዓጽዋ ከምዝተገደዳ ሓቢረን። ብተወሳኺ ድማ ኣብ ሉንድ ደኒማርክ ዝርከባ 3 ትካላት ከምዝተዓጸዋ ተፈሊጡ። ኣብዘን ዝተዓጽዋ ትካላት ዝሰርሑ ዝነበሩ 500 ሰራሕተኛታት ብሃንደበት ብዘይ ስራሕ ተሪፎም። ብክሮና ቫይረስ ዝተኸስተ ኩነታት ዝበዛሓ ናይ ንግዲ ትካላት መጠን መሸጠአን እንዳ ኣንቆልቀለ መጠን ወጻኢታተን ግን ከምቀደሙ ይቕጽል ብምህላዉ …

  • 25 March

    ሽወደን ኮሮና ቫይረስ ብዘውረዶ ቅልውላው ሽቕለት ሓድሽ ቊጠባዊ ስጒምቲታት ተተኣታቱ።፡

    ሚኒስተር ፋይናንስ ሽወደን ማግዳሊና ኣንደርሰን መንግስቲ ኮሮና ቫይረስ ንዘስዓቦ ቅልውላው ሽቕለት ንምምካት ሓድሽ ቊጠባዊ ስጒምቲታት ከተተኣታቱ ምዃና ገሊጻ። ብመሰረት ኣገልግሎት ማሕበራዊ ሽቕለት ዝፈነዎ ናይ ቀረባ እዋን ኣሃዛት ኣብዚ ወርሒ መጋቢት ጥራይ 18000 ዝበጽሑ ሰራሕተኛታት ብሓለፍቶም ናይ ስንብት ወረቐት ከም እተዋህቦም ተሓቢሩ። መንግስቱን ኣብ ባይቶ ዝርከቡ መሻርኽቱን ነዚ ጒዳይ ንምፍታሕ ሓደስቲ ናይ ህጹጽ እዋን ስጒምቲታት ንምውሳድ ኣብ ምድላው ምህላዎም እውን ኣስሚራትሉ’ላ።

  • 25 March

    በዓል መዚ ጥዕና፡ ንተቐማጦ ሽሽታ ን ስፖንጋን ካብ ዝያዳ ምልባዕ ቫይረስ የጠንቅቅ።

    ተቐማጦ ናይቶም ኣብ ስቶክሆሎም ዝርከባ ከባቢታት Kista ን Spånga ካብ ዝያዳ ምልባዕ ናይ ቫይረስ ክጥንቀቁ ከምዘለዎም በዓል መዚ ጥዕና ኣዘኻኺሩ። ኣብዘን ዝተጠቕሳ ከባቢታት ዝነብሩ ሰባት ንምልባዕ ቫይረስ ንምግታእ ብፍሉይ ዘድሊ ጥንቃቀ ክገብሩ ከምዘለዎምን ኣእዳዎም ብግቡእ ክሓጽቡ ከምዘለዎም፡ ኣእዳዎም ዓጺፎም ክህንጥሱ ከምዘለዎምን መባእታዊ ምልክታት ሕማም ከም ረስኒ፡ ደረቕ ሰዓልን ጸገማት ምስትንፋስን እንተተራእዩ ነብሶም ባዕሎም ክውሽብ ከምዘለዎምን እንተ ገዲዱ ድማ ንዝምልከቶም ናይ …

  • 25 March

    ሽወደን ንኹሉ ንጥፈታት ክትዓጹ የብላን ዝብሉ መጐተታት ይዕብሉሉ።

    ኣብዚ እዋን ሽወደን ውሸባ ናይ ጒዕዞ ወይ ናይ በረድ ምንሽርታት እገዳታት ናይ ምግባር ኣጋውል ከም ዘየርኣየት ተገሊጹ።፡ ምክትል ሓላፊ ለበዳታት ሽወደን ኣንደርስ ቫለናቴን ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ” ሽወደን ዕጽውቲ ክትከውን የብላን” ኢሉ። ንሱ ንስለረብሓ ሓፋሽ ክበሃል እቶም ብንጥፈት ክዋስኡ ዝግባእ ንጥፈቶም ክቕጽሉ ይግባእ ኢሉ። ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ኣብ ልዕሊ ኣብያተ መግቢ፥ መስተን ሻሂን ሓደስቲ ሕጊታት ምግባሩን ኣብ ባንኮን ብደውካን …

  • 25 March

    ሓደስቲ ሕጊታት፡ ባራትን ኣብያተ መግቢን ናይ ጣውላ ኣገልግሎት ጥራይ ክህባ ተወሲኑ።፡

    ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምምካት ባራት ኣብያተ መግቢን እንዳ ሻሂን ናይ ጣውላ ኣገልግሎት ጥራይ እዩ ዝወሃብ ይበሃል ኣሎ።” እዚ ኲነታት ኣዝዩ ጽንኩር ብምዃኑ ውሳነ ዘድልዮ እዩ” ክትብል ሚኒስተር ማሕበራዊ ጒዳያት ሊርና ሃለንግረን ሓቢራ። እዞም ሓደስቲ ውሳነታት ብሰሉስ ኣብ ዝተገብረ ግዜጣዊ መግለጺ ኣብ ባንኮ ዝግበር እንግዶት ክቋረጽ ምዃኑን ናይ ጣውላ ኣገልግሎት ጥራይ እዩ ክወሃብን ተባሂሉ ኣሎ። ሰባት ካብ ጣውላ ሓሊፎም ኣብ ባንኮን …

  • 24 March

    ኣብ ሓደ ሰሙን 13000 ሰብ ስራሕ ደው ክብሉ ተሓቢርዎም።

    ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 13000 ሰብ ካብ ስራሕ ደው ከምዝበሉ ቤት ጽሕፈት ዕዩ ሓቢሩ። ኣብዚ ወርሒ እዚ ጥራይ (ወርሒ መጋቢት) ኣስታት 18367 ሰባት ካብ ስራሕ ደው ከምዝበሉን መብዛሕትኦም ካብ ከባቢታት ስቶክሆልም፡ ዮተቦሪን ማልመን ዝሰርሑ ዝነበሩ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ። ገምጋም ናይቶም ካብ ስራሕ ዝተባረሩ ሰባት ኣብዚ ሰሙን’ዚ ዝለዓለ ጥርዙ ከምዝበጸሐ ጸብጻባት ሓቢሮም። ብሰንኪ ሕማም ቫይረስ ክሮናን ንኸይላባዕ ብምባል መንግስቲ ዝኽተሎ ዘሎ ሜላን …

  • 23 March

    ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ለበዳ ኮሮና ኣመልኪቱ ንሽወደን መደረ ሂቡ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ስቲፋን ሎፍተን ኣብ ዝሃቦ መደረ ኣብዛ ጸባብ እዋን ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ነዚ ለበዳ ኣብ ምክልኻል ተራኡ ክጻወት ተላብዩ። ንሱ ብተወሳኺ በብግዜኡ ሓደስቲ ስጒምቲታት ክውሰዱ ከም ዝኽእሉ ኣስሚሩሉ’ሎ። ኲሉ ሰብ ብኣእምሮ ተዳልዩ ክጸንሕ ናይ ቀረባ መጻኢ ጥዕና፥ ህይወትን ሽቕለትን ሽወደን ጽንክር ዝበለ ክኸውን ከም ዝኽእል ድማ ኣመልኪቱ’ሎ። ብዙሓት ክሓሙን ስድራኦም ክሰናበቱን ከም ዝኽእሉ ድማ ሓቢሩ። ንሱ ነዚ ሕማም …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com