Saturday , April 27 2024

ኮረና ቫይረስ

July, 2020

  • 15 July

    ኩባንያ ፖስትኖርድ (Postnord)፡ መልእኽታት ዘረክበሉ ቆጸራ ክቕይር እዩ ተባሂሉ

    ኩባንያ ፖስትኖርድ፡ ኣብ ከባቢ ስኮና መዲብዎ ዝነበረ ናይ መልእኽታት ምርካብ ቆጸራ ኣብ ዝቕጽል ክረምቲ ክቕይሮ ምዃኑ ከምዝሓበረ ሬድዮ ሽወደን ኣመሓላሊፉ። ደብዳቤታት፡ መወዓውዕን ጋዜጣታትን ከምቲ ልሙድ መዓልታዊ ዘይኮነ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ መዓልታት ከብጽሕ ምዃኑ ገሊጹ። እቲ ምዝጉብ ዝኾነ መልእኽታት፡ ከምቲ ልሙድ ናብቲ ዝግበኦ ናይ ገዛን ኩባንያታትን ኣድራሻ መዓልታዊ ከብጽሕ ምዃኑ ብተወሳኺ ገሊጹ። ጠንቂ ናይዚ ለውጢ ክሕብር እንከሎ፡ ኩባንያ ፖስትኖርድ፡ ዝስደዱ …

  • 14 July

    ወነንቲ ኣባይቲ፡ መጠን ዋጋ ክራይ ገዛ ብምጉዳሎም ካሓሳ ክኽፈሉ ጀሚሮም ተባሂሉ

    ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ጽድያ ብቅልውላው ቫይረስ ኮሮና ዝተጸልዉ ኩባንያታት ንምሕጋዝ ብምባል፡ መጠን ዋጋታት ክራይ ኣባይቲ ዘጉደሉ ወነንቲ ኣባይቲ፡ ናይ ካሕሳ ክፍሊ ብመንግስቲ ክኽፈሎም ምኻኑ ተሓቢሩ። ቤት ምኽሪ ስኮና ንበይኑ ክሳብ 2000 ዝኸውን ናይ ካሕሳ ጠለባት ቀሪብዎ ከምዘሎ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። እቲ ውሳነ ኣብ ግብሪ ክውዕል ጀሚሩ ምህላዉን ገለ ኩባንያታት ውን ካሕሳ ተቒቢለን ክኾና ከምዝኽእላ ኣብ ቤት ምኽሪ ስኮና፡ ሓላፊ ማሕበራዊ …

  • 14 July

    ዜና ሽወደን ብትግርኛ Swedish News in tigrigna 13 juli 2020

  • 14 July

    ግሪክ፡ ካብ ሽወደን ንዝግበሩ ቀጥታዊ በረራታት ኣፍቂዳ ተባሂሉ

    ኣብ መንጎ ሽወደንን ግሪክን ድሕሪ ዝተኻየደ ጽዑቕ ርክባት፡ ካብ ዕለት 22/07/2020 ጀሚሩ እቲ ዝነበረ ቀጥታዊ በረራታት ከምእንደገና ክቕጽል ምኻኑ መንግስቲ ግሪክ ከምዘፍቀደ ክብል ወሃብ ቃል መንግስቲ ግሪክ፡ ስቲልዮስ ቢታስ፡ ከምዝገለጸ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ካብ ሽወድን ናብ ግሪክ፡ ቀጥታዊ በረራ ካብ ዕለት 15/07/2020 ክጅምር መደብ ከምዝነበረ ይዝከር። እንተኾነ ግን እቲ ዝነበረ መደብ ናብቲ ዝተጠቕሰ ሓድሽ ዕለት ስለ ዝተሰጋገረ ተመዲቦም ዝነበሩ በረራታት …

  • 13 July

    መጠነ መልከፍቲ ቫይረስ ኮሮና ክብረ ወሰን ሒዙ

    ብዝሕ ዝበሉ ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ኣብ ዝልከፍሉ ዘለዉ እዋን ከም ዘለና ይግለጥ። ብመሰረት ጸብጻባት ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራይ 230 ሽሕ ሰባት ዝልከፍሉ ኣጋጣሚ ከም እተፈጥረን፡ እዚ ድማ ዝለዓለ ኣሃዝ ምዃኑን ተሓቢሩ።  ዝበዝሑ መልከፍታት ድማ ኣብ ሕቡራት መንግስትታ ኣመሪካ፡ ህንዲን፡ ብራዚልን ደቡብ ኣፍሪካን እዮም ዘጋጥሙ ዘለዉ ኢሉ እቲ ጸብጻብ።፡  እቲ ናይ ቀረባ ዝበሃል ናይ 24 ሰዓታት ጸብጻብ ቅድሚ …

  • 12 July

    ኩባንያታት ኣማዞንን ጉግልን ብዛዕባ ኮሮና ቫይረስ ዝምልከት ናይ ሓሶት ዜና ይምውላ ኣለዋ…. ብኸመይ ኣገባብ?

    ዓለማውያን ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ዝኾና ጉግልን ኣማዞንን ናይ ሓሶት ዜና ንምድላው ሚልዮናት ዶላራት ይምውላ ምህላወን ብምምልካት ሓደ በዓልመዚ ምክትታል ዘይቅኑዕ ሓበሬታታት (Global Disinformation Index)  ምስ DW ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ እዘን ኲባንያታት ሓላፍነት ክስከማ ከምዝግባእ ሓቢሩ። እዘን ናይ ሓሶት መርበባት፡ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ናይ ሓሶት ዜናታት ብምፍብራኽን ክልሰ ሓሳባዊ ውዲት ብምፍጣርን ክሳብ 25 ሚልዮን ዶላር ዝበጽሕ ኣታዊ ከኻዕብታ ከምዝኽእላ ተገሊጹ። ብመሰረት …

  • 12 July

    ኩባንያታት፡ መቦቀል ዘይብሉ ናይ ሕማም ዕረፍትን ወሰኽ ደሞዝን ብምቕራብ ናይ ምትላል መስርሕ ፈጺመን ተባሂሉ

    ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና ምስ ናይ ሕማም ዕረፍቲ ዝተሓሓዝ ናይ ሽርክነታዊ ምትላል ተርእዮታት እናበዝሑ ከምዝመጹ ተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ  ገሊጹ። ገለ ኩባንያታት ብሃንደበት ካብ ባዶ ተበጊሰን ልዑል መጠን ደሞዝ ብምሕታተን ማዕከን ማሕበራዊ ድሕነት ን300 ጠለባት መርመራ ክግበረሎም ብምባል ከምዘወንዘፎም ተገሊጹ። እቶም ካሕሳ ሓቲቶም ዝተወንዘፉ ጉዳያት፡ ወርሓዊ ካብ 20 ክሳብ 40 ሽሕ ኮሮና ዝሓቱ እዮም። እዞም ጉዳያት’ዚኣቶም ኣብ ናይ ሓሶት …

  • 12 July

    ሽወደን፡ ካብ ፍርያት ክታበት ጸረ ኮሮና ቫይረስ እጃማ ኣውሒሳ ተባሂሉ

    ሽወደናዊ ብሪጣንያዊ ኩባንያ፡ ኣስትራ ዚኒካ፡ ምስ ኦክስፎርድ ዮኒቨርስቲ ብምትሕብባር ካብ ዘማዕብሎም ዘሎ ጸረ ኮሮና ክታበት፡ ንሃገራት ኤውሮፓ ሕብረት ተባሂሉ ኣስታት 100 ሚልዮን ንኸዳሉ ተሰማሚዑ ከምዝነበረ ይፍለጥ። ሽወደን ድማ ካብቲ ፍርያት፡ እጃም ኣውሒሳ ምህላዋ ኣወሃሃዲ ክታበት፡ ሪቻርድ ቤርገስትሮም፡ ገሊጹ። ኣየናይ ዓይነት ክታበት ኣድማዒ ከም ዝኸውን’ኳ እንተዘይፈለጥና፡ ኣብ ዝተፈለለዩ ዓይነታት ግን ወፍሪ ነካይድ ኣለና። ኣብ ክረምቲ ምስ ገለ ኩባንያታት ብደረጃ ኤውሮፓዊ ሕብረት …

  • 11 July

    ጋዜጣታት ኣመሪካ፡ መንግስቲ ሸወደን ንቑጠባ ቅድሚ ጥዕና ሰሪዑ ይብላ . . . ሚኒስተር፡ እዚ ዝበሃል ዘሎ ሓሶት እዩ ትብል

    ኣመሪካዊት ጋዜጣ ኒው ዮርክ ታይምስ ንኣተሓሕዛ ቅልውላው ኮሮና ሽወደን ኣመልኪቱ፡ ንመላእ ዓለም “ናይ መጠንቀቕታ ሞዴል” ኮይኑ’ሎ ብምባል ነቒፋቶ። ኣብ ላንደን ዝመደብሩ ክኢላ ስነ-ቚጠባ፡ ፒተር ጉድማን፡ መንግስቲ ሽወደን ኣብ እዋን ቅልውላው ለበዳ ኮሮና ኣብ ክንዲ ጥዕና ሕብረተሰብ ንቑጠባ ቀዳምነት ብምሃብ ፈተነ ኣካይዱ ከም ዝፈሸለን ነቒፉ። ናይ ወጻኢ ንግዲ ሚኒስተር፡ ኣና ሃልፕሪ፡ ነዚ ሽወደን ካብ ጥዕና ንላዕሊ ቊጠባ እያ እተቐድም ዝብል ክሲ …

  • 11 July

    ብቫይረስ ኮሮና ልኽፍቲ ምዃና እናፈለጠት ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዝሰርሐት ሰበይቲ ናብ ፍርዲ ቀሪባ

    ኣብ ምምሕዳር ሄሊፎሽ ዝርከብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ እትሰርሕ ሰበይቲ ናብ ፍርዲ ቀሪባ ተባሂሉ። እዛ ሰበይቲ መርምራ ገይራ ብቫይረስ ኮሮና ከምተለኽፈት ምስ ተሓበራ፡ ኩነታታ እናፈለጠት ናብ ስራሓ ከምዝኸደት ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ፡ ነቲ ፍጻሜ፡ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰባት ሓደጋ ዘውርድ ከቢድ ፈተነ መጥቃዕቲ ብዝብል ኣብ ልዕሊ እታ ሰበይቲ ክሲ መስሪቱ ኣሎ። ሕማም ኮቪድ-19፡ ሓደገኛ ማሕበራዊ ሕማም ከም ምዃኑ …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com