Friday , May 10 2024

ኩባንያ ፖስትኖርድ (Postnord)፡ መልእኽታት ዘረክበሉ ቆጸራ ክቕይር እዩ ተባሂሉ

ኩባንያ ፖስትኖርድ፡ ኣብ ከባቢ ስኮና መዲብዎ ዝነበረ ናይ መልእኽታት ምርካብ ቆጸራ ኣብ ዝቕጽል ክረምቲ ክቕይሮ ምዃኑ ከምዝሓበረ ሬድዮ ሽወደን ኣመሓላሊፉ።

ደብዳቤታት፡ መወዓውዕን ጋዜጣታትን ከምቲ ልሙድ መዓልታዊ ዘይኮነ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ መዓልታት ከብጽሕ ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ምዝጉብ ዝኾነ መልእኽታት፡ ከምቲ ልሙድ ናብቲ ዝግበኦ ናይ ገዛን ኩባንያታትን ኣድራሻ መዓልታዊ ከብጽሕ ምዃኑ ብተወሳኺ ገሊጹ።

ጠንቂ ናይዚ ለውጢ ክሕብር እንከሎ፡ ኩባንያ ፖስትኖርድ፡ ዝስደዱ መልእኽታት ውሑዳት ስለዝኾኑ ዘይተደልዩ  ወጻኢታት ንምጉዳል ዝዓለመ እዩ ክብል ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com