Friday , May 10 2024

ግሪክ፡ ካብ ሽወደን ንዝግበሩ ቀጥታዊ በረራታት ኣፍቂዳ ተባሂሉ

ኣብ መንጎ ሽወደንን ግሪክን ድሕሪ ዝተኻየደ ጽዑቕ ርክባት፡ ካብ ዕለት 22/07/2020 ጀሚሩ እቲ ዝነበረ ቀጥታዊ በረራታት ከምእንደገና ክቕጽል ምኻኑ መንግስቲ ግሪክ ከምዘፍቀደ ክብል ወሃብ ቃል መንግስቲ ግሪክ፡ ስቲልዮስ ቢታስ፡ ከምዝገለጸ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።

ካብ ሽወድን ናብ ግሪክ፡ ቀጥታዊ በረራ ካብ ዕለት 15/07/2020 ክጅምር መደብ ከምዝነበረ ይዝከር። እንተኾነ ግን እቲ ዝነበረ መደብ ናብቲ ዝተጠቕሰ ሓድሽ ዕለት ስለ ዝተሰጋገረ ተመዲቦም ዝነበሩ በረራታት ንተወሳኺ ሓደ ሰሙን ክጸንሑ ምኻኖም ተፈሊጡ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዕለት፡ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ናብ ግሪክ ዝካየዱ ቀጥታዊ በረራታት ክጅመሩ ምኻኖም ተሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ንመዋዓውዒ ተባሂሉ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣርላንዳ፡ ናብ ዴሴት ሮዶስ፡ ግሪክ፡ ቀጥታዊ በረራ ተኻይዱ ምንባሩን ብድሕሪኡ ግን ሰብ መዚ ግሪኽ ነቶም ካብ ሽወደን ዝብገሱ በረራታት ደው ምባሉ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com