Friday , May 10 2024

ወነንቲ ኣባይቲ፡ መጠን ዋጋ ክራይ ገዛ ብምጉዳሎም ካሓሳ ክኽፈሉ ጀሚሮም ተባሂሉ

ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ጽድያ ብቅልውላው ቫይረስ ኮሮና ዝተጸልዉ ኩባንያታት ንምሕጋዝ ብምባል፡ መጠን ዋጋታት ክራይ ኣባይቲ ዘጉደሉ ወነንቲ ኣባይቲ፡ ናይ ካሕሳ ክፍሊ ብመንግስቲ ክኽፈሎም ምኻኑ ተሓቢሩ።

ቤት ምኽሪ ስኮና ንበይኑ ክሳብ 2000 ዝኸውን ናይ ካሕሳ ጠለባት ቀሪብዎ ከምዘሎ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።

እቲ ውሳነ ኣብ ግብሪ ክውዕል ጀሚሩ ምህላዉን ገለ ኩባንያታት ውን ካሕሳ ተቒቢለን ክኾና ከምዝኽእላ ኣብ ቤት ምኽሪ ስኮና፡ ሓላፊ ማሕበራዊ ኣሃዱ ዝኾነ ፒተር ካቫላ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com