Saturday , April 27 2024

ኮረና ቫይረስ

September, 2020

  • 13 September

    ሓደገኝነት ሕማም ኮቪድ-19 ብኣግኡ ዝሕብሩ ምልክታት ኣብ ደም ሕሙም ክረአዩ ከምዝኽእሉ ተሓቢሩ

    ሕማም ኮቪድ-19 ናብ ሓደገኛ መድራኹ ከይበጽሐ ብኣግኡ ዝሕብሩ ምልክታት፡ ኣብ ደም ሕሙም ክረአዩ ከምዝኽእሉ ሓድሽ ሽወደናዊ መጽናዕቲ ሓቢሩ። ኣስታት 160 ብከቢድ ደረጃ፡ ሕማም ኮቪድ-19 ዝተጠቕዑ ሰባት፡ ቅምሶታት ደሞም ተወሲዱ ምስ ተመርመረ፡ ኣብ ደሞም፡ ልዑል መጠን ዘለዎም ፍሉያት ዓይነት ዋህዮታት ከምተረኽቡ ሽወደናዊ መጽናዕቲ ይሕብር። እዞም ዋህዮታት፡ ነቶም ኣብ ደም ንዝርከቡ፡ ዋህዮታት ኣንጉዕ ናይ ኣዕጽምቲ፡ ደቆስቲ ምዃኖም ይፍለጡ። ኣብ ፈለማ እዋናት ሕማም …

  • 12 September

    ካብ ለበዳ ኮሮና ንላዕሊ ንዓለምና ዘስግኣ ጥሜት እዩ፡ ይብሉ ክኢላታት

    ዓለምና ናብ ሓደ ዘይተጸበየቶ ናይ ጥሜት ቅልውላው ተምርሕ ምህላዋን ብምኽንያት ኮሮና ዝኽሰት ጥሜት ካብቲ ለበዳ ዘኸሰቶ መጠን ሞት ዝበዝሕ ክኸውን ከም ዝኽእል ክኢላታት የጠንቅቑ። ኣብ ዓለምና፡ ኣብ 2030፡ ቁጽሪ ብዓጸቦ ናይ ዝሳቐዩ ሰባት ናብ 909 ሚልዮን ክበጽሕ ከም ዝኽእል ዝሓበሩ ክኢላታት፡ ኣብ መወዳእታ ሒዝናያ ዘሎና ዓመት፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ዘስዓቦ ጥሜት፡ መዓልታዊ፡ ኣስታት 12 ሽሕ ሰባት ክሞቱ ከምዝኽእሉ ኣህጉራዊ ተሓጋጋዚ …

  • 10 September

    ኖርወይ፡ ነቶም ካብ ኦረብሮን ዮምትላንድን ዝመጹ ገያሾ ውሸባ ክገብሩ ምኻኖም ሓቢራ

    ካብ ጽባሕ ዓርቢ ጀሚሮም፡ እቶም ካብ ሽወደናውያን ምምሕዳራት ኦረብሮን ዮምትላንድን ዝመጹ ገያሾ፡ ናይ 10 መዓልታት ውሸባ ክገብሩ ምኻኖም ኖርወይ ምሕባራ ተፈሊጡ። ኖርወይ ነዚ ውሳነ ክተመሓላልፍ ዝተገደደት፡ ብሰንኪ ኣብዘን ምምሕዳራት ዝረአ ዘሎ ወሰኽ መልከፍቲ ኮሮና ምኻኑ ገሊጻ። ኣብዘን ምምሕዳራት፡ 20 ካብ 100 ሽሕ ሰባት፡ ብኮሮና ዝተለኽፉ ኣለዉ ድማ ትብል። ኖርወይ፡ ንገለ ካብ ከባቢታት ፊንላንድን ዴኒማርክን ዝመጹ በጻሕቲ ውን መስርሕ ውሸባ ከምዝግበኦም …

  • 10 September

    ኣብ ሽወደን፡ መጠን ዝቕባበን (Inflation) ደሞዝ ሰራሕተኛታትን ክውስኽ ከምዝኽእል ገምጋማት ሓቢሮም

    መጠን ቁጠባዊ ዝቕባበ ሽወደን፡ ኣብ ዝቕጽል 5 ዓመታት ብውሑድ ዓቐን ክውስኽ ከምዝኽእል ካብ ኩባንያ ካንታር ሲፎ ፕሮስፔራ (Kantar Sifo Prospera) ዝወጸ ሓድሽ ዳህሳስ ሓቢሩ። ዓመታዊ መጠን ዝቕባበ 0.8% ክኸውን ከምዝኽእልን ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመታት፡ እቲ መጠን ክሳብ 1.7% ክብ ክብል ከምዝኽእል እቲ ሓድሽ ዳህሳስ ሓቢሩ። ቁጠባዊ ዝቕባበ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን፡ መጠን ደሞዝ ሰራሕተኛታት ክውስኽ፡ ግዴታ እዩ ዝበሉ ተሳተፍቲ ዳህሳስ፡ ኣብ …

  • 9 September

    ኩባንያ ኢንተርስፖርት (Intersport)፡ 12 ኣብ ሽወደን ዝርከባ ትካላቱ ዓጽዩ

    ኩባንያ ኢንተርስፖርት፡ 12 ኣብ ሽወደን ዝርከባ ትካላቱ ከምዝዓጸወን መብዛሕትአን ኣብ ምምሕዳር ስቶክሆልም ዝርከባ ዝነበራ ምዃነን ጋዜጣ ዮቶቦሪ ፖስተን ሓቢሩ። ኩባንያ ኢንተርስፖርት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ፡ ብሰንኪ ቅልውልው ኮሮናን ቅድሚኡ ዝነበረ፡ ዝተመጣጠነ ወቕቲ ሓጋይ፡ ዘስዓቦ ኩነታት፡ ዳግመ ስርርዕ ንኽገብር ምሕታቱ ይዝከር። እንተኾነ፡ ብሰንኪ ምንቁልቋል መጠን ኣታዊታቱ፡ ንመሰረታውያን ወጻኢታቱ ክሽፍን ኣብዘይክእለሉ ደረጃታት በጺሑ ምህላዉ ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ ኩባንያ፡ ማርኮስ ቪቢሪ፡ ነታ …

  • 9 September

    ኩባንያ ኣስትራ ዚኒካ፡ ንመስርሕ ፈተነ ክታበት ኮሮና፡ ኣቋሪጽዎ ተባሂሉ

    ኩባንያ ኣስትራ ዚኒካ፡ ከሰላስሎ ዝጸነሐ፡ ሳልሳይ ደረጃ፡ መስርሕ ፈተነ ክታበት ኮሮና፡ ንግዚኡ ከምዘቋረጾ ምሕባሩ ተፈሊጡ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ኦክስፎርድ ዩኒቨርስቲ፡ ዝካየድ ዘሎ ፈተና ዝሳተፍ ወለንተኛታት  ድሕሪ ምሕማሙ እዩ። ኩባንያ ኣስትራ ዚኒካ፡ ስም እቲ ሕማም ኣይጠቐሰን። ጠንቂ ናይቲ ሕማም ንምፍላጥ፡ ኩባንያ ኣስትራ ዚኒካ፡ መጽናዕታት የካይድ ምህላዉ SVT ሓቢሩ። ኣብ መስርሕ ፈተና እንከለኻ፡ ናይ ምሕማምን ካልእ ዓይነት …

  • 8 September

    ኖርወይ፡ ምስ ሽወደን ዘራኽባ ዶብ ክትዓጹ ትዳሎ

    ኮሌጅ ህዝባዊ ጥዓና ኖርወይ፡ ንሽወደናዊት ምምሕዳር ያምትላንድ ሃሪዶለን፡ ኣብ ናይ ቀይሕ ዞን ከእትዋ ንመንግስቲ ኖርወይ ምኽሩ ኣቕሪቡ። እዚ ማለት፡ እቶም ካብ ሽወደን ናብ ኖርወይ ዝኣትዉ ገያሾ፡ ውሸባ ክገብሩ ከምዘለዎም ክግደዱ እዮም ማለት እዩ። ብኻልእ ወገን፡ ምስ ሽወደን ዘራኽባ ዶብ ከም እንደገና ክትዓጽዎ እያ ክብል SVT ሓቢሩ። ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ምምሕዳር ያምትላንድ፡ ብጫ ዞን ስለ ዝተባህለት (ማለት ውሸባ ዘየድልዮም)፡ ምስ ትሮንድላግ (Tröndelag) …

  • 8 September

    ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና፡ መጠን ብዝሒ ሕቶታት ፍትሕ፡ ከምዝወሰኸ ተሓቢሩ

    ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና፡ መጠን ንኽፋትሑ ዝሓተቱ ሰብ ሓደር፡ ምስቲ ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ክነጻጻር እንከሎ፡ ከምዝወሰኸ ኣሃዛዊ ጸብጻባት ሃገራውያን ቤት ፍርድታት ሽወደን ሓቢረን። ጠንቂ ናይዚ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነት፡ ቅልውላው ለበዳ ኮሮና፡ ክኸውን ከምዝኽእልን ብሰንኪ’ዚ ድማ እቶም ሰብ ሓዳር ብሓንሳብ ዘሕልፍዎ ግዜ ካብቲ ንቡር ዝነውሐ ምንባሩን  ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ናብ ፍትሕ ዘምርሐ ብዙሕ ግጭት ከምዘጋጠመ ኣብ ዩኒቨርስቲ ስቶክሆልም፡ …

  • 7 September

    ምምሕዳር ስቶክሆልም፡ ኣንቢርዎ ዝጸንሐ ኣዋጅ እዋን ህጹጽ ሓደጋ ከም ዘልዓሎ ሓቢሩ

    በዓል መዚ ኣሃዱ ጥዕና ስቶክሆልም፡ ኣንቢርዎ ዝጸንሐ ኣዋጅ እዋን ህጹጽ ሓደጋ (Stabsläge) ከምዘልዓሎን ስራሓት ድማ ናብ ንቡር ኩነታቶም ከምተመልሱ ሓቢሩ ክብል SVT ኣመሓላሊፉ። ኣብ ምምሕዳር ስቶክሆልም፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና ብምንካዩ፡ ኣብ መላእ ሆስፒታላት ናይታ ምምሕዳር ኣስታት 30 ሰባት ጥራይ ብሕማም ኮቪድ-19 ዝተጠቕዑ ምህላዎም፡ እቲ ዝጸንሐ ኣዋጅ እዋን ህጹጽ ሓደጋ (Stabsläge) ከም ዘብቅዐ ሓላፊ ኣሃዱ ጥዕና ስቶክሆልም፡ ቢዮሪን ኤሪክሰን ሓቢሩ። እቲ …

  • 7 September

    ኣብ ኖርወይ፡ መጠን ዝርገሐ መልከፍቲ ኮሮና ወሲኹ ተባሂሉ

    መጠን ዝርገሐ መልከፍቲ ኮሮና ኣብ ኖርወይ ይውስኽ ምህላዉ ኣብ ኖርወር ዝሕተም ጋዜጣ NRK ሓቢራ። ዝሓለፈ ሰሙን፡ ንፈለማ ግዜ ካብ ወርሒ ሚያዝያ፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና ኣብ ኖርወይ፡ ልዕሊ እቲ ኣብ ሽወደን ዝተመዝገበ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፉ ሽውዓተ መዓልታት፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና ኣብ ኖርወይ፡ 14 ካብ 100 ሽሕ ሰብ፡ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ሽወደን ግን 11 ካብ 100 ሽሕ ሰብ፡ ምምዝጋቡ ጋዜጣ NRK …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com