Sunday , May 19 2024

ኮረና ቫይረስ

September, 2020

  • 5 September

    ኮሮና፡ ጠንቂ ምንቅስቓስ ጥንሲ ክኸውን ከምዝኽእል መጽናዕታት ይሕብሩ

    ጥንሲ ዝሓዛ ደቂ ኣንስትዮ ብኮሮና ምስ ዝልከፋ፡ ቅድሚ ግዜአን ናይ ምውላድ ሓደጋአን ከም ዝውስኽ ብርክት ዝበሉ ተመራመርቲ ዝኣከብዎም መጽናዕትታት ይሕብሩ። በዚ ድማ ኣብ ጥንሲ ዝርከባ ሕሙማት ኮሮና ደቀንስትዮ ጽዑቕ ምክትታል ከም ዘድልየን ተገሊጹ። ብዘይካ’ዚ፡ ጥንሲ፡ ብኮሮና ናይ ምልካፍ ተኽእሎ ከም ዘዛይድ SVT ሓቢሩ። ካብ ቻይና፡ ኣመሪካ፡ ብሪጣንያ፡ ስፔይን፡ ሆላንድን ካልኦት ሃገራትን ዝተረኽቡ ክኢላታት፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ 11500 ኣብ ፈለማ ናይ …

  • 5 September

    እምነት ሽወደናውያን፡ ኣብ ልዕሊ ቴግኔል ክውስኽ እንከሎ ኣብ ልዕሊ ሎቬን ግን ኣንቆልቂሉ ተባሂሉ

    ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴቫን ሎቪን፡ ኣብ ኣታሓሕዛ ለበዳ ኮሮና ዝነበሮ ተቐባልነት ምንቁልቋሉን ኣብ ልዕሊ ዋና ኣማኻሪ ሕማማት ለበዳ፡ ቴግኔል፡ ዝነበረ ተቐባልነት ግና ምዝያዱ ዳህሳስ ኢፕሶስ ብምጥቃስ ጋዜጣ ዳጊነስ ኒሂተር ሓቢራ። ሎቬን፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝነበሮ ናይ 49%  ተቐባልነት ኣብዚ እዋን ኣንቆልቊሉ ናብ 34% ምግምጋሙ ዘመልከተ እቲ ጸብጻብ፡ ናይ ተቓወምቲ ውድባት ተቐባልነት እውን ከምኡ ምንካይ ከም ዘርኣየን ካብ 30% ናብ 20% …

  • 4 September

    ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ክሳብ መፋርቕ ናይ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ክታበት ጸረ ኮሮና ኣይክህሉን እዩ ይብል

    ብርክት ዝበላ ሃገራት፡ ብፍላይ እኳ ሩስያን ኣሜሪካን ብዛዕባ ምክያድ መጠን ሰፊሕ ክታበት ጸረ-ኮሮና ይዛረባ እኳ እንተሃለዋ፡ ከምዚ ዝበለ ተርእዮ ክሳብ መፋርቕ ዝመጽእ ዓመት ተግባራዊ ክኸውን ከም ዘይክእል ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ሓቢሩ። ኣፈኛ እቲ ውድብ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ሳልሳይ ደረጃ ፈተነ ክታበት ግዜ ዝወስድ እዩ። ስለዚ እዚ ክታበት ክሳብ ክንደይ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ኣለዎ ክንፈልጥ ግዜ ክንዕድግ ከድልየና እዩ ኢላ። እዚ …

  • 3 September

    ጽቕጥቕጥ ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያታትን . . . ጻውዒት ንሓደስቲ ሃገራውያን መምርሒታትን

    ህዝባዊ መጓዓዝያታት፡ ኣብ ኣገደስቲ እዋናት ጥራይ ክንጥቀም ከምዘለና፡ መንግስታዊ መምርሒታት ክመሓላላፉ’ኳ እንተጸንሑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ሰዓታት ምእታውን ምውጻእን ካብ ስራሕ፡ ዝረአ ዘሎ ጽቕጥቅጥ፡ ኣሰካፊ እናኾነ ምምጽኡ ምምሕዳራት ከባቢታት ሽወደን ከምዝሓበራ SVT ኣቃሊሑ። ካብ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ፡ መጠን ብዝሒ ናይቶም ህዝባዊ መጓዓዝያታት ዝጥቀሙ ሰባት ምስ ዝሓለፈ 34 ሳምንታት ክነጻጸር እንከሎ ብዓቢ ከምዝወሰኸን ምስ ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ናይ ዝሓለፈ …

  • 2 September

    ንዝኸሰራ ኩባንያታት ዝወሃብ ዝነበረ መንግስታዊ ሓገዝ ከምዘቛረጸ ተሓቢሩ

    ሽወደናዊ ዋኒን ቀረጽ (Skatteverket)፡ ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና ንዝሳዓበ ክሳራ ንምትካእ፡ ብኩባንያታት ዝቐርብ ዝነበረ ናይ ሓገዝ መሕተቲ ምልክታ፡ ምቕባል ከምዘቋረጸ ሓቢሩ። ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና ካብ ዝቐረቡ 23,289 ናይ ሓገዝ ሕቶታት፡ ዋጋ 186 ሚልዮን ክሮን ዝሓቱ 1100 ሕቶታት ክንጸጉ እንከለዉ፡ ዋጋ 1.3 ቢልዮን ክሮን ዝሓቱ 17,700 ሕቶታት ኣወንታዊ መልሲ ከምዝረኸቡ ተፈሊጡ ክብል ሬድዮ ኢኮት ሓቢሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሽወደናዊ ዋኒን ቀረጽ፡ …

  • 2 September

    ሚዛን ገንዘብ (budget) ሃገረ ኖርወይ፡ ኣብ 25 ዓመታት ንፈለማ ግዜ ሕጽረት ኣርእዩ

    ኣብ ካልኣይ ርብዒ ናይዚ ዓመት፡ ሚዛን ገንዘብ ሃገረ ኖርወይ፡ ናይ 83 ቢልዮን ኖርወጃዊ ክሮን ሕጽረት ከምዘርኣየ መንግስቲ ሓቢሩ። እዚ ተርእዮ፡ ድሕሪ 1994 ንፈለማ ግዜ ዘጋጥም ዘሎ ምዃኑ ክብል፡ መንግስቲ ኖርወይ፡ ምግላጹ TT ሓቢሩ። ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ናይዚ ዓመት፡ መንግስቲ ኖርወይ ናይ 22 ቢልዮን ኖርወጃዊ ክሮን ፈሰስ ከምዝገበረ ይዝከር። ቅኑዕነት ናይዞም ዝተጠቕሱ ኣሃዛት ምምሕያሽ ዝግበረሎም እኳ እንተኾኑ፡ ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት፡ …

  • 2 September

    ኣብ ምምሕዳራት ሽወደን ዝርከባ ኣብያተ ፍርድታት፡ ምሸታዊ ስርሐን ክጅምራ እየን

    ካብ ሰሉስ፡ ዕለት 1/09/2020 ጀሚረን፡ ኣብ ምምሕዳራት ሽወደን ዝርከባ ኣብያተ ፍርድታት፡ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ንኽሰርሓ ምድላዋተን ኣጻፊፈን ተዳልየን ከምዘለዋ ተሓቢሩ። ፍሉይን ህጹጽን ጉዳያት ኣብ ዝርከበሉ እዋናት፡ ቤት ፍርዲ፡ ካብ ልሙድ ሰዓታት ስራሕ ወጻኢ፡ ህዝባዊ ጠበቓ ኣብ ዝርከበሉ ኣጋጣሚ ውሳኔታቱ ከመሓላልፍ ክኽእል እዩ። ሓደ ዝተኸሰሰ ሰብ፡ ድሕሪ ሰዓታት ስራሕ፡ ህዝባዊ ጠበቓ ክምደበሉ እንተድኣ ክኢሉ፡ እቲ ናይ መርመራ ሕቶታት ኣቐዲምካ ክግበር ክከኣል …

  • 2 September

    ሽወደን፡ ኣብ ልዕሊ ምስ ሕሙማት ኮሮና ዝነብሩ ሰባት፡ ቀይዲ ከተንብር ትኽእል እያ ተባሂሉ

    ሽወደን ኣብ ወቕቲ ጽድያ ክኽሰት ንዝኽእል ኻልኣይ ማዕበል ቫይረስ ኮሮና ኣብ እትዳለወሉ ዘላ እዋን፡ ዳይረክተር ህዝባዊ ጥዕና፡ ሓደ ሓድሽ ዜና ሒዙ ተቐልቂሉ’ሎ። ብመሰረት ዳይረክተር በዓል መዚ እዚ ትካል፡ ዮሃን ካርልሰን፡ ኣባላት ስድራቤት ሕሙማት ኮሮና ቀይዲ ክጸዓኖም እዩ። ኣድላይ እንተ ኮይኑ፡ ኣብ ገለ ገለ ምምሕዳራት ከይተረፈ፡ ምውዳይ ማስክ ሓዊስካ ገለ ሕግታት ክጸዓን ይኽእል እዩ ክብል ንኣገልግሎት ዜና TT ሓቢሩ። ሚኒስተር ማሕበራዊ …

  • 1 September

    ዴኒማርካዊት ሓኪም፡ ንኻልኣይ ግዜ ብሕማም ኮቪድ-19 ተታሒዛ

    ማሪ ልዊዝ ክሊዚፊስኪ፡ ዝተባህለት ዴኒማርካዊት ሓኪም፡ ንፈለማ ግዜ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ ንኻልኣይ ግዜ ድማ ኣብ ወርሒ ሓምለ ብሕማም ኮቪድ-19 ከምተታሕዘት ንመርበባት ሓበሬታ ዴኒማርክ ምርኩስ ብምግባር TT ሓቢሩ። ኣብ መጀመርያ፡ ብርቱዕ ቃንዛ ኣብ መላእ ሰውነተይ ተሰሚዑኑ ተምላስ ድማ ገይሩለይ። ድሒሩ ድማ  ምስትምቓርን ሽታ ምልላይ ዓቕሚ ስኢነ ዕውልውል ምባል ድማ ቀጺሉ ክትብል ማሪ ትሕብር። ኣብ ዕለት 11/04/2020 ድማ ብኮሮና ከምተለኽፈት መርመራ ኣረጋጊጹ። …

  • 1 September

    ሽወደን፡ መድሃኒት ክታበት ኮሮና ንምርካብ ዘኽእላ ሓድሽ ውዕል ተፈራሪማ

    ሽወደን፡ መድሃኒት ክታበት ንምርካብ ዘኽእላ ሓድሽ ውዕል ከምዝፈረመት ሃገራዊ ኣወሃሃዲ ክታበት፡ ሪቻርድ ቤሪስትሮም ንSVT ሓቢሩ። ስም እዛ ኩባንያ ዘይጠቐሰ ቤሪስትሮም፡ ሽወደን ምስ ሓንቲ ካብተን ፍሉጣት ኩባንያታት መድሃኒት ዓለምና ዝኾነት ውዕል ከምዝፈረመትን ኣብ ዝቕጽል እዋን ድማ ምስ ዝተፈላለያ ተወሰኽቲ ኩባንያታት ውዕል ክትፍርም ምዃና ገሊጹ። ክሳብ ሕጂ መድሃኒት ኮሮና እዚ እዩ ተባሂሉ ዝፍለጥ ክታበት ስለዘየለ፡ ሽወደን፡ ዝተፈላለየ መድሃኒት ንምርካብ ምስ ዝተፈላለያ ኩባንያታት …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com