Monday , May 13 2024

ኮሮና፡ ጠንቂ ምንቅስቓስ ጥንሲ ክኸውን ከምዝኽእል መጽናዕታት ይሕብሩ

ጥንሲ ዝሓዛ ደቂ ኣንስትዮ ብኮሮና ምስ ዝልከፋ፡ ቅድሚ ግዜአን ናይ ምውላድ ሓደጋአን ከም ዝውስኽ ብርክት ዝበሉ ተመራመርቲ ዝኣከብዎም መጽናዕትታት ይሕብሩ። በዚ ድማ ኣብ ጥንሲ ዝርከባ ሕሙማት ኮሮና ደቀንስትዮ ጽዑቕ ምክትታል ከም ዘድልየን ተገሊጹ።

ብዘይካ’ዚ፡ ጥንሲ፡ ብኮሮና ናይ ምልካፍ ተኽእሎ ከም ዘዛይድ SVT ሓቢሩ።

ካብ ቻይና፡ ኣመሪካ፡ ብሪጣንያ፡ ስፔይን፡ ሆላንድን ካልኦት ሃገራትን ዝተረኽቡ ክኢላታት፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ 11500 ኣብ ፈለማ ናይ ጥንሲ እዋናት ዝርከባ ደቀንስትዮ ዝተኻየዱ 77  መጽናዕታት ብምእካብ ናብዚ መደምደታ ክበጽሑ ዝኸኣሉ።

እዚ ኣብ ብሪቲሽ መዲካል ጆርናል እተሓትመ ውጽኢት ከም ዘመልከቶ፡ ነፍሰጾራት ደቀንስትዮ ብኮሮና እንተ ተታሒዘን ቅድሚ ግዜአን፡ ማለት ቅድሚ 37 ሰሙን፡ ክወልዳ ይኽእላ እየን። ብሰንኪ መልከፍቲ ኮሮና፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕሸል ከጋጥም ዝኽእል ናይ ሞት ሓደጋ ክውሰኽ ከምዘይተራእየ፡ እቶም ተመራመርቲ ክሕብሩ እንከለዉ፡ ከምቲ ንቡር፡ ንቕድሚ ግዚኡ ዝውለድ ግን ጽዑቕ ክንክን ከም ዘድልዮ ለበዋኦም ኣቐሚጦም ኣለዉ።

ኣብ ሆስፒታል ካሮሊንስካ፡ ኮቪድ-19 ዝሓመሙ፡ 550 ሰባት፡ ጽዑቕ ሕክምናዊ ክንክን ከም እተገብረሎምን ካብዚኣቶም ድማ እተን 8 ነፍሰጾራት ኣዴታት ምንባረን ተፈሊጡ።

ኣብ እዋን ጥንሲ ዘጋጥሙ ረኽሲታት ሓደገኛታት እዩም ክብል ኣብቲ ሆስፒታል ዳይረክተር መጥባሕቲ ዝኾነ ዮርን ፒርሾን ይገልጽ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ዓመተ 2009 ኣብ ዝተኸስተ ስዋይን ፍሉ ዝተባህለ ለበዳ፡ ጥንሲ ንሓደጋ ምሕማም የቃልዕ ምንባሩ በዚ ድማ ብርክት ዝበላ ነፍሰጾራት ኣብ ክፍሊ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ክኣትዋ ተጌሩ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com