Sunday , May 19 2024

ኮረና ቫይረስ

August, 2020

  • 31 August

    ተማሃሮን ስራሕተኛታትን፡ ዩኒቨርስቲ ኦምዮ፡ መርመራ ኮሮና ከካይዱ እዮም

    ኣስታት 20 ሽሕ ዝኾኑ ተማሃሮን ሰራሕተኛታትን፡ ዮኒቨርስቲ ኦምዮ፡ ንምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ኣብ እዋን ስሩዕ ትምህርቲ ንምግምጋም ዘኽእል መጽናዕቲ ተባሂሉ፡ ካብ ሎሚ ሰኑይ፡ መርመራ ኮሮና ክጅምር ምዃኑ ምስ SVT ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ኣንድሽ ዮሃንሰን፡ ገሊጹ። ብኮሮና ቫይረስ ናይ ዝተለኽፉ ሰባት ብዝሒ ንምፍላጥ ሎሚ ሰኑይ መርመራ ከነካይድ ኢና፡ ድሕሪ ክልተ ሰሙን፡ኩሎም ተማሃሮ ምስ ተራኸቡ፡ ዳግማይ መርመራ ከነካይድ ኢና ክብል ዮሃንሰን ሓቢሩ። እዚ …

  • 28 August

    ፖሊስ፡ ነቲ ብኣሃዱ ጥዕና ዝቐረበ እማመ ከምዝቃወሞ ገሊጹ

    ፖሊስ ሽወደን፡ ንገደብ ብዝሒ ተሳተፍቲ ምትእኽኻብ ናብ 500 ክብ ንምባል ብኣሃዱ ጥዕና ዝቐረበ እማመ ከምዝቋወም ሓቢሩ ክብል TT ገሊጹ። ንተግባራውነት ናይዚ ቀሪቡ ዘሎ እማመ ንምክትታል ዘኽእል ዓቕሚ ከምዘይብሉ፡ ፖሊስ፡ ሓቢሩ ኣሎ። እዚ እማመ፡ ነተን ሙዚቃዊ ምርኢታት ዘካይዳ ቤት ምግብታት ፍቓድ ዝህብ ኮይኑ ኣብ ሓደ እዋን ድማ ናይ ምርሕሓቕ መምርሒታት ከተግብሩ ክግደዱ እዮም። ንውሱን ናይ ምትእኽኻብ ኣጋጣሚታት ዝኸውን ሕጊ ምውጻእ፡ ንኣሰራርሓ …

  • 27 August

    ኣሃዱ ጥዕና ሽወደን፡ ናይ ሰባት ምትእኽኻብ ገደብ ናብ 500 ክብ ንኽብል ርእይቶ የቕርብ

    መንግስቲ፡ ንምትእኽኻብ ሰባት ብዝምልከት ዘመሓላለፎ መምርሒ መሰረት ብምግባር፡ ኣሃዱ ጥዕና ሽወደን፡ ንገደብ ብዝሒ ውሱን ምትእኽኻባት ናብ 500 ክብ ንኽብል እማመ ከምዘቕረበ ኣንዲሽ ቲግኒል ሓቢሩ ክብል TT ኣቃሊሑ። ኣብቲ ዝቐረበ እማመ፡ ናይ ሓደ ሜትሮ ርሕቀት ክሕሎ ከምዘለዎ ዝሕብር መምርሒ ከምዘሎ ቲግኒል ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ናይ መጨረሽታ ጸብጻባት ሽወደን ከምዝሕብርዎ፡ 83,898 ሰባት ብኮሮና ዝተለኽፉ፡ 5820 ሰባት ብኮሮና ዝሞቱ ከምዘለዉ ተፈሊጡ …

  • 27 August

    ቆልዑ፡ ኮሮና ቫይረስ ኣየማሓላልፉን እዮም ተባሂሉ

    ክሳብ ቀረባ እዋን፡ ቆልዑ፡ ኣብ ምምሕልላፍ እዚ ሕማም ብዛዕባ ዘለዎም ተራ ኣከራኻሪ ሓበሬታታት ምጽንሑ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ ገለ ሓካይም ናህሪ ለበዳ ንምውጋድ ህጻናት ናይ ኣፍ ማስክ ክገብሩ ኣለዎም ዝብል መጐተ ከቕርቡ ምጽንሖም ገሊጹ። ቆልዑ፡ ቫይረስ ኮሮና ኣየማሓላልፉን እዮም፡ ወይ ድማ እቲ ንሳቶም ዘውርድዎ መጠን ምስፍሕፋሕ ኣዝዩ ዝወሓደ እዩ ክብሉ ሓካይም ፊንላንድ ገሊጾም። ንሳቶም ኣብ ልዕሊ 11 ሽሕ ቆልዑ ድሕሪ ዝገበርዎ …

  • 26 August

    ዜናታት ትግርኛ Tigringa News 26/08/2020

  • 26 August

    ኣብ ስኮና (Skåne)፡ ቁጽሪ መልከፍቲ ኮሮና ይውስኽ ኣሎ ተባሂሉ

    ድሕሪ ናይ ክረምቲ ዕረፍቲ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ስኮናን ከባቢኣን፡ ቁጽሪ መልከፍቲ ኮሮና እናዛየደ ምምጽኡን መዓልታዊ ብገምጋም 45 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ይልከፉ ምህላዎም ጸብጻባት ሓቢሮም። ሰባት ካብ ዕረፍቲ ናብ ስረሖምን ቤት ትምህርትን ምስ ተመልሱ፡ ቁጽሪ መልከፍቲ ክውስኽ ምዃኑ፡ ካብ ትጽቢትና ወጻኢ ኣይነበረን ክትብል ዶክተር ምቁጽጻር ለበዳ ከባቢ ስኮና ዝኾነት ኢቫ ሜላንደር ንTT ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ሓቢራ። ዝሓለፈ ወቕቲ፡ ለበዳ ቫይረስ …

  • 26 August

    ሽወደን ንኖርወይ ናይ ክታበት መድሃኒት ክትሕግዝ እያ

    ናይ ኮሮና ናይ ክታበት መድሃኒት ምስ ማዕበለ፡ ንሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት ክዕደል ስምምዕ ከምተኸተመ  ዝፍለጥ እዩ። ኖርወይን ኣይስላንድን ግን ካብተን ኣብቲ ስምምዕ ዘይተጸንበራ ሃገራት እየን። ሽወደን፡ ካብቲ መድሃኒት እጃማ ምስ ወሰደት፡ ንጎረቤት ሃገር፡ ኖርወይ፡ ካብቲ መድሃኒት ብምሻት ከተካፍላ ምዃና ተመባጺዓ ኣላ ክብል ናይ ኖርወይ ጋዜጣ NRK ሓቢሩ። ከም በዓል ኖርወይን ኣይስላንድን ዝኣመሰላ ኣባላት ኤውሮፓዊ ቁጠባዊ ኣከባቢ (EEA) ዝኾና ሃገራት ካብቲ መድሃኒት …

  • 24 August

    ብዝሒ ቁጽሪ ናይ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት፡ ብተኸታታሊ ንኻልኣይ ሰሙኑ ይጎድል

    ቁጽሪ ናይቶም ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት፡ ብተኸታታሊ ንኻልኣይ ሰሙን ምጉዳሉ ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ዕዮ ሽወደን ሓቢሮም። ቁጽሪ ስራሕ ኣልቦ ናይ ዝኾኑ ሰባት፡ ካብ ዝሓለፈ ጽድያ ጀሚሩ፡ ብዓቢ ናህሪ ክውስኽ ከምዝጀመረ ይዝከር። ኣብዚ ሕጂ እዋን ቁጽሪ ናይዞም ሰባት 479 ሽሕ በጺሑ ምህላዉ፡ እዚ ድማ ካብቲ ቅድሚ ሰሙን ዝነበረ ቁጽሪ ብ1 ሽሕ ዝወሓደ እዩ። ቁጽሪ ናይቶም ስራሕ ንምርካብ ዝምዝገቡን ስራሕ ዝቑጸሩ ሰባትን …

  • 24 August

    ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ውሕስነት፡ ጥርዓናት ካሕሳ ናይ ውሱናት ክፋል ሕብረተሰብ ምስማዕ ጀሚሩ

    ቤት ጽሕፈት ሳንዱቕ ማሕበራዊ ውሕስነት (Försäkringskassan)፡ ካብ ሎሚ ሰኑይ ዕለት 24/08/2020 ጀሚሩ፡ ጥርዓናት ካሕሳ፡ ናይቶም ብቐሊሉ ንሓደጋ መልከፍቲ ኮሮና ቫይረስ ቅሉዓት ተባሂሎም ዝፍለጡ ክፋል ሕብረተሰብ፡ ክሰምዕ ከምዝጀመረ ሓቢሩ። እቶም ሓተቲ ካሕሳ፡ ካብቶም ንመልከፍቲ ኮሮና ቅሉዓት ዝኾኑ ጉጅለ ምዃኖም ዘረጋግጽ ሕክምናዊ መርተዖ ሒዞም ብምምጻእ ጥርዓኖም የቕርቡ። ኣብቲ ዘቕርብዎ ጥርዓን፡ ንድሕሪት ተመሊሶም፡ ካብ 1 ሓምለ ክሳብ 30 መስከረም ናይ ዘሎ ግዜ፡ ካሕሳ …

  • 23 August

    ሽወደን፡ ኣብ ምጅማር ናይ ዝቕጽል ዓመት፡ ክታበት ኮሮና ክትጅምር ተኽእሎታት ኣሎ

    ኣብ ዝቕጽል ዓመት፡ ሽወደን፡ ካብ 10.8 ክሳብ18 ሚልዮን ዝብዝሑ መድሃኒት ክታበት ኮሮና ክትቅበል ተኽእሎታት ከምዘሎ ኣዋሃሃዲ ሃገራዊ ክታበት፡ ሪቻርድ ቤሪስትሮም፡ ክብል ከምዝሓበረ ጋዜጣ ዳጊነዝ ኒሄተር ኣብ ዓምድታቱ ጽሒፉ። ሽወደን፡ ክትርከቦ ተወጢኑ ዘሎ ብዝሒ መድሃኒት፡ ንምሉእ ህዝቢ ሽወደን ዝኣክል ምዃኑ ወሲኹ ገሊጹ። ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይ ዝቕጽል ዓመት፡ እኹል ዘይኮነ መድሃኒት ክንቅበል ተኽእሎታት ኣሎ። እቲ መድሃኒት፡ ውሑስን ኣድማዕን ኮይኑ  እንተድኣ ተረኺቡ፡ …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com