Sunday , April 28 2024

ኮረና ቫይረስ

November, 2020

  • 9 November

    መጠን ሽቕለት ኣልቦነት፡ ከይወሰኸ ቀንዩ

    ኣብ ሽወደን ዘሎ ቁጽሪ ደለይቲ ስራሕ፡ ብዙሕ ለውጢ ከይገበረ፡ ኣብ ዘለዎ ደዉ ኢሉ ምህላዉ፡ ሎሚ ንግሆ፡ ዝተፈነወ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ዋላ’ኳ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ልዕሊ 12 ሽሕ ዝኣኽሉ ሓደሽቲ ደለይቲ ስራሕ ኣብ መላእ ሃገር እንተተመዝገቡ፡ እቲ  ብሃገር ደረጃ ተመዝጊቡ ዘሎ  ቁጽሪ ደለይቲ ስራሕ ማለት  456 ሽሕ ከምዘይቀየሮ ካብ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ዝወጸ ሰሙናዊ ጸብጻብ ኣረጋጊጹ ኣሎ።  ብዘይካ እዚ፡ ቁጽሪ መንሰያት ደለይቲ …

  • 6 November

    ሰራሕተኛታት መባእታ ቤት ትምህርታት፡ ካብ መልከፍቲ ኮሮና ክንከላኸለሎም ይግባእ ተባሂሉ

    ኩለን መባእታ ቤት ትምህርታት፡ ንሰራሕተኛታተን ካብ መልከፍቲ ኮሮና ንምክልኻል ዘድልዩ ናውቲ ክቕርባ፡ በዓል መዚ ምክትታል ናይ ስራሕ ሃዋሁ ከምዝወሰነ መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣቃሊሑ።     እዚ ውሳኔ፡ ድሕሪ ካብ ወኪል ውሕስነት ናይ ሓንቲ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ባሪስ (Bergs) እትርከብ መባእታ ቤታ ትምህርቲ፡ ዝመጸ ጥርዓን፡ ከምዝጸደቐ ይፍለጥ። ብድሕሪ’ዚ፡ እቲ በዓልመዚ፡ ነታ ቤት ትምህርቲ፡ ዝግባእ ማስክ፡ ጓንትን መሸፈን ገጽን ከተቕርብ ከምዘገደዳ ይፍለጥ። …

  • 6 November

    ኣብ ዮቶቦሪ ኣብ ዝርከባ 50 ዝኾና ቤት ትምህርታት፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ተራእዩ

    ኣብ ምምሕዳር ከተማ ዮቶቦሪ ዝርከቡ ተማሃሮን ኣባላትን ናይ 50 ዝኾና ቤት ትምህርታት፡ ብቫይረስ ኮሮና ይልከፉ ከምዘለዉ ምምሕዳር ቤት ትምህርታት ዮቶቦሪ ገሊጹ ክብል ሬድዮ ሽወደን ኣቃሊሑ። ሰበ ስልጣን ምክልኻል ለበዳን ምምሕዳር ቤት ትምህርታት ዮቶቦሪን ብሓባር ኮይኖም፡ ነተን ቤት ትምህርታት ብከፊል ወይ ብምሉእ ናይ ምዕጻው ውሳኔ ከመሓላልፉ ከምዝኽእሉ ድማ ተፈሊጡ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ኣብ ልዕሊ ኣሰራርሕ ናይ ሰለስተ ቤት …

  • 5 November

    ናይ ዓማዊሉ፡ መጠን ሙቐት ሰውነት፡ እናዓቀነ ዘእቱ ቤት ምግቢ

    ኣብ ኣቨኒን (Avenyn)፡ ዮቶቦሪ፡ ዝርከብ ቤት መግቢ፡ ዓማዊሉ ካብ ሕማም ኮቪድ-19 ነጻ ምዃኖም ንምርግጋጽ፡ ሙቐት ሰውነቶም እናዓቀነ የአንግድ ምህላዉ ጋዜጣ ዮቶቦሪ ፖስተን (Göteborgs Posten) ሓቢሩ ክብል ሬድዮ ሽወደን ኣቃሊሑ። ኣብ ምጅማር ለበዳ ኮሮና፡ ሰባት፡ ምልክታት ሕማም ከምዘይብሎም ንምርግጋጽ፡ ከምዚ ዓይነት ኣገባብ፡ ኣብ መላእ ዓለም፡ ብፍላይ ድማ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ክጥቀምሉ ከምዝጸንሑ ይፍለጥ።

  • 5 November

    ቀዳማይ ሚኒስተር ሎቪን፡ ተወሺቡ

    ሓደ ንቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቪን፡ ቀረባ ዝኾነ ሰብ ምስ ካልእ ድሒሩ ብኮሮና ቫይረስ ከምተለኽፈ ዝፈለጠ ሰብ ተራኺቡ ብምንባሩ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ቀዳማይ ሚኒስተርን በዓልቲ ቤቱን ብገዛእ-ርእሶም ከምተወሸቡ ተፈሊጡ። እቲ ንቀዳማይ ሚኒስተር፡ ቀረባ ዝኾነ ሰብ፡ መርመራ ኮሮና ኣካይዱ፡ ካብ ኮሮና ነጻ ምዃኑ’ኳ እንተ ተፈልጠ፡ ኣነን በዓልቲ ቤተይን ግን ክንውሸብ ከምዘለና፡ ሓኪም መኺሩና። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ክልተና፡ ኣብ ጽቡቕ ጥዕናዊ ኩነታት …

  • 3 November

    ምምሕዳር ቬስትራዮትላንድ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታቱ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ኣዊጁ

    ኣብ ምዕራብ ሽወደን እትርከብ ምምሕዳር ቬስትራዮትላንድ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታቱ (stabsläge) ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ከም ዝኣወጀ ሓቢሩ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ገሊጹ። መጠን መልከፍቲ ኮሮና ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ሳምንታት፡ ብናህሪ ክውስኽ ከምተራእየን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ 3000 ሓድሽ መልከፍቲ ኮሮና ከምተራእየን እዚ ድማ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ሰሙን ብዕጽፊ ከምዝወሰኸ ይፍለጥ። ኣብ ሆስፒታል ተዓቒቦም ዘለዉ 119 ሕሙማት ኮቪድ-19 ክኾኑ እንከለዉ፡ …

  • 3 November

    ምምሕዳር ኦፕሳላ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታቱ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ኣዊጁ

    ምምሕዳር ኦፕሳላ፡ ሎሚ ካብ ሰዓት 1:00 ድ.ቐ. ዝጀመረ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታቱ (stabsläge) ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ከም ዝኣወጀ ሓቢሩ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ገሊጹ። መጠን ብኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት ብናህሪ ይውስኽ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ቁጽሪ ሕክምናዊ ምክትታል ዘድልዮም ሰባት እናዓበየ ስለዝኸደ፡ ውሳኔ ንኽንወስድ ተወኪልና ንምትግበሩ ድማ ጀሚርና ኣለና ክብል ሓላፊ ህዝባዊ ጥዕና’ታ ምምሕዳር፡ ሚካኤል ኮለር፡ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። …

  • 3 November

    ኣብ ምምሕዳራት ከተማ ዝሰርሑ ኣባላት፡ ናይ 5.4% ወሰኽ ደሞዝ ክግበረሎም እዩ

    ማሕበር ፈደረሽናት ምምሕዳር ከተማ (Kommunal) ምስ ማሕበር ኣስራሕቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበትን ሰኑይን ድሕሪ ዘካየዶ ጽዑቕ ዘተ፡ ንጉዳይ ወሰኽ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ምምሕዳር ከተማ ብዝምልከት፡ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐ ኣዊጁ። እቲ ወሰኽ ደሞዝ ድማ 5.4% ክኸውን ከምዝተወሰነን፡ ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ድማ ንነፍሲ ወከፍ ሰራሕተኛ ኣብ ሓደ እዋን ናይ 5500 ክሮን ክኽፈል ከምዝወሰነ መርበብ ሓበሬታ SVT ኣቃሊሑ። ወሰኽ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ምምሕዳር ከተማ፡ …

  • 2 November

    ዜናታት ሽወደን ብትግርኛ Sverige Nyheter på Tigrinja 02 11 2020

  • 2 November

    ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ መሸጣ ናይ ኤሌክትሪክ ተሽከርከርቲ ክብረ ወሰን ሴሩ ይበሃል ኣሎ

    መሸጣ ናይ ኤለትሪክን ድቃልን (ብኤሌክትሪክን ብነዳድን ዝሰርሓ) ተሽከርከርቲ፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ክብረ ወሰን ምሓዙ ቢል ሽወደን ዘዳለዎ ሓድሽ ስታቲስቲክስ ኣመልኪቱ። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መካይን 36% ካብተን ሓደስቲ ኣብ ሽወደን ዝተመዝገባ መካይን ከምዝሽፍና ዋና ኣካያዲ ስራሕ ቢል ሽወደን፡ ማርያስ በርግሰን፡ ንሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ኣብ መላእ ዓመት ናብ 30% ክጸሪ እዩ ዝብል ግምት ኣሎና ድማ ኢሉ። ጠለብ ናይ ኤሌክትሪክ መካይን፡ …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com