Monday , May 13 2024

ሰራሕተኛታት መባእታ ቤት ትምህርታት፡ ካብ መልከፍቲ ኮሮና ክንከላኸለሎም ይግባእ ተባሂሉ

ኩለን መባእታ ቤት ትምህርታት፡ ንሰራሕተኛታተን ካብ መልከፍቲ ኮሮና ንምክልኻል ዘድልዩ ናውቲ ክቕርባ፡ በዓል መዚ ምክትታል ናይ ስራሕ ሃዋሁ ከምዝወሰነ መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣቃሊሑ።    

እዚ ውሳኔ፡ ድሕሪ ካብ ወኪል ውሕስነት ናይ ሓንቲ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ባሪስ (Bergs) እትርከብ መባእታ ቤታ ትምህርቲ፡ ዝመጸ ጥርዓን፡ ከምዝጸደቐ ይፍለጥ። ብድሕሪ’ዚ፡ እቲ በዓልመዚ፡ ነታ ቤት ትምህርቲ፡ ዝግባእ ማስክ፡ ጓንትን መሸፈን ገጽን ከተቕርብ ከምዘገደዳ ይፍለጥ።

ብመሰረት ተሌቪዥን TV4፡ እቲ ኣስገዳዲ መምርሒ፡ ነዛ ፍልይቲ ቤት ትምህርቲ ጥራይ ዝምልከት ከምዝነበረ ሓቢሩ። ይኹን እምበር፡ ነፍሲ ወከፍ ናይ መባእታ ቤት ትምህርቲ፡ ንሰራሕተኛታታ ውሑስ ዝኾነ ናይ ስራሕ ሃዋሁ ክትፈጥር ከምዝግባእን ሓደ ሰራሕተኛ፡ ብሰንኪ ባህርያት ስራሑ፡ ግዳይ መልከፍቲ ኮሮና ክኸውን ኣይግባእን ክትብል ኣብ’ቲ በዓል መዚ፡ ሓላፊት ዝኾነት፡ ኦልሪካ ሾላንድ፡ ትሕብር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com