Monday , May 13 2024

ኣብ ዮቶቦሪ ኣብ ዝርከባ 50 ዝኾና ቤት ትምህርታት፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ተራእዩ

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ዮቶቦሪ ዝርከቡ ተማሃሮን ኣባላትን ናይ 50 ዝኾና ቤት ትምህርታት፡ ብቫይረስ ኮሮና ይልከፉ ከምዘለዉ ምምሕዳር ቤት ትምህርታት ዮቶቦሪ ገሊጹ ክብል ሬድዮ ሽወደን ኣቃሊሑ።

ሰበ ስልጣን ምክልኻል ለበዳን ምምሕዳር ቤት ትምህርታት ዮቶቦሪን ብሓባር ኮይኖም፡ ነተን ቤት ትምህርታት ብከፊል ወይ ብምሉእ ናይ ምዕጻው ውሳኔ ከመሓላልፉ ከምዝኽእሉ ድማ ተፈሊጡ ኣሎ።

ክሳብ ሕጂ፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ኣብ ልዕሊ ኣሰራርሕ ናይ ሰለስተ ቤት ትምህርታት ዓቢ ጽልዋ ከምዝፈጠረ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ተወሰኽቲ ቤት ትምህርታት፡ ብተመሳሳሊ ክጽለዋ ከምዝኽእላ ገምጋማት ይሕብሩ።

ቤት ትምህርቲ ፊየልቦስኩላን (Fjällboskolan)፡ ሓንቲ ካብተን ብለበዳ ኮሮና ዝተጸልዋ ሰለስተ ቤት ትምህርታት ኮይና፡ ንተማሃሮ ራብዓይን ሓሙሻይን ክፍሊ፡ ንሰለስተ መዓልታት ዝጸንሕ ብናይ ርሕቀት ቤት ትምህርቲ ንኽመሃሩ ወሲና ኣለና ክትብል ሓላፊት ቤት ትምህርቲ፡ ኢቮን ኦልሂል፡ ሓቢራ።

እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ለበዳ ኩነታት፡ ክሳብ ቤት ትምህርታት ምሉእ ብምሉእ ዘዕጹ ደረጃ ዝበጽሕ ኣይኮነን ክብል ሓላፊ ምክትታል ኩነታት ለበዳ ኣብ ቤት ትምህርታት፡ ኣንዲሽ ኣንድግሪን፡ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com