Monday , May 13 2024

ቀዳማይ ሚኒስተር ሎቪን፡ ተወሺቡ

ሓደ ንቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቪን፡ ቀረባ ዝኾነ ሰብ ምስ ካልእ ድሒሩ ብኮሮና ቫይረስ ከምተለኽፈ ዝፈለጠ ሰብ ተራኺቡ ብምንባሩ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ቀዳማይ ሚኒስተርን በዓልቲ ቤቱን ብገዛእ-ርእሶም ከምተወሸቡ ተፈሊጡ።

እቲ ንቀዳማይ ሚኒስተር፡ ቀረባ ዝኾነ ሰብ፡ መርመራ ኮሮና ኣካይዱ፡ ካብ ኮሮና ነጻ ምዃኑ’ኳ እንተ ተፈልጠ፡ ኣነን በዓልቲ ቤተይን ግን ክንውሸብ ከምዘለና፡ ሓኪም መኺሩና። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ክልተና፡ ኣብ ጽቡቕ ጥዕናዊ ኩነታት ንርከብ ኣለና። ስራሕና ድማ ካብ ገዛ ንከይድ ኣለና። መርመራ ኮሮና፡ ኣብ ዝቐረበ እዋን ከነካይድ ኢና ክብል፡ ሎቪን፡ ኣብ ውልቃዊ ናይ ፌስ ቡክ ሒሳቡ ሓቢሩ።

ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ብናህሪ ይቕጽል ኣሎ። ብዙሓት ሰባት ይልከፉን ይሞቱን ኣለዉ። እቲ ኩነታት ብጣዕሚ ኣሰካፊ ስለ ዝኾነ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንመምርሒታት በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና፡ ከትግብር ግዴታ ኣለዎ። እዞም ብበዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ዝወጹ፡ መምርሒታት እምበር ምኽርታት ኣይኮኑን ክብል፡ ሎቪን፡ ኣዘኻኺሩ።

ጽቡቕ እንተዘይተሰሚዑካ ኣብ ገዛ ጽናሕ፡ ኢድካ ሕጸብ፡ እንተኪኢልካ ካብ ገዛ ክትሰርሕ ፈትን፡ ነንሕድሕድና ንተሓላለ፡ ብሓባር ብምዃን፡ ሽወደን፡ ነዚ ኣጋጢምዋ ዘሎ ብዓወት ክትሰግሮ እያ ክብል ዘረብኡ ዛዚሙ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com