Monday , May 13 2024

ምምሕዳር ቬስትራዮትላንድ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታቱ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ኣዊጁ

ኣብ ምዕራብ ሽወደን እትርከብ ምምሕዳር ቬስትራዮትላንድ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታቱ (stabsläge) ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ከም ዝኣወጀ ሓቢሩ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ገሊጹ።

መጠን መልከፍቲ ኮሮና ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ሳምንታት፡ ብናህሪ ክውስኽ ከምተራእየን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ 3000 ሓድሽ መልከፍቲ ኮሮና ከምተራእየን እዚ ድማ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ሰሙን ብዕጽፊ ከምዝወሰኸ ይፍለጥ። ኣብ ሆስፒታል ተዓቒቦም ዘለዉ 119 ሕሙማት ኮቪድ-19 ክኾኑ እንከለዉ፡ እቶም 14 ኣብ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝርከቡ እዮም።

ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ዝተበየነ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ሓደጋ፡ እቲ ዝተሓተ ደረጃ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ኮይኑ፡ ንሰራሕተኛታት ቀልጢፍካ ምግዓዝን ንሰዓታት ስርሖም ብዝምልከት ቅልጡፍ ውሳኔ ምውሳድን ዘኽእል እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com