Monday , May 13 2024

ኮረና ቫይረስ

November, 2020

  • 2 November

    ሽወደን፡ ንጽልዋ መድሃኒት ክታበት ኮሮና ንምግምጋም፡ ሓድሽ ሃገራዊ መዝገብ ከተዳሉ እያ

    በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ነቲ ብመድሃኒት ክታበት ኮሮና ክፍጠር ዝኽእል ጽልዋ ንምግምጋም፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ዝተኸትበ ዜጋ፡ ስም፡ ዝሓዘ መዝገብ ከዳሉ ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ። እቲ መዝገብ፡ ንኣስማት ናይ ዝተኸትቡ ሰባትን ዝወሰድዎ ዓይነትን ግዜ ክታበትን ዝኣመሰሉ ሓበሬታታት ዝሓቖፈ ኮይኑ ምስ ሓበሬታ ጥዕናዊ ታሪኽ ናይ ዝተኸትበ ዜጋ ክነጻጸር እዩ ክትብል ኣብ ኣሃዱ መድሃኒታት፡ ሓላፊት ውሕስነት መድሃኒት፡ ኦላ ሊሚንጋ፡ ምስ ሬድዮ ሽወደን …

October, 2020

  • 30 October

    ዜናታት ሽወደን ብትግርኛ Sverige Nyheter på Tigrinja 30/10/2020

    ገለ ኣብ ናይ ሎሚ ዜና፣- ባዓል መዚ ጥዕና ሽወደን ምልባዕ ቫይረስ ኮሮና ንምግታእ ብደረጃ ዞባታትን ሃገርን ሓድሽቲ መምርሕታትን ምኽርን ብምዉጻእ ኣብ ተግባራዊነት ኣትዩ።ቤት ምኽሪ ቅዋም ሽወደን ንኣታሓሕዛ መንግስቲ ሽወደን ኣብ ጉዳይ ኮሮና ከመይ ከምዝነበረን ዘሎን ንምግምጋም መርመራ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።

  • 30 October

    ምምሕዳር ሊንሾፒን፡ ከባብያዊ ቀይድታት ከተተግብር ጀሚራ

    ምምሕዳር ሊንሾፒን፡ ዋንነት’ታ ምምሕዳር ዝኾኑ መሐንበሲን ባህላውን ማሕበራውን ንጥፈታት ዝካየደሎም ቦታታት ክዓጹ ምዃኑን ብተወሳኺ ድማ ብጀካ ንትምህርታዊ ንጥፈታት እንተዘይኮይኑ ንኻልእ ናይ መንእሰያት ንጥፈታት ተባሂሉ ዝተሓዝአ ቦታታት ውን ክዓጹ ምምዳቡ ተፈሊጡ። እዚ ዝተወስደ ስጉምቲ፡ ነቲ ትማሊ ሓሙስ ብበዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ዝቐረቡ ምኽርታት መሰረት ብምግባር ዝተወሰኑ እዩም። ብተመሳሳሊ መንገዲ፡ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ትማሊ ሓሙስ፡ ንምምሕዳራት ስቶክሆልም፡ ቬስትራጎትላንድን ኦስተርጎትላንድን …

  • 30 October

    መንግስቲ ሽወደን፡ ንወጻኢታት መርመራታት ኮሮና ንምሽፋን ተወሳኺ 3 ቢልዮን ክሮን ሰሊዑ

    ንመርመራታት ኮሮና ተባሂሉ ዝግበር ወጻኢታት ንምሽፋን፡ መንግስቲ፡ ናይ 3 ቢልዮን ክሮን ተወሳኺ ገንዘብ ክድጉም ምዃኑ ተመባጺዑ ክብሉ ጸብጻባት TV4 ሓቢሮም። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ እቲ ቅድሚ ሕጂ ንተመሳሳሊ መዓላ ተባሂሉ ተሰሊዑ ዝነበረ ገንዘብ ክውዳእ ብምቕራቡ እዩ። እዚ ተወሳኺ ድጎማ፡ ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ዘሎ ግዜ ከጻንሕ ከምዝኽእል ይንገር። ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ብዙሓት ከባቢታት ሽወደን፡ ብሰንኪ ጠለብ መርመራ ኮሮናን ጸረ …

  • 29 October

    መጠን መልከፍቲ ኮሮና ብምውሳኹ፡ ምምሕዳር ኦስተርጎትላንድ፡ ከባብያዊ ቀይድታት ንምትግባር ከም ኣማራጺ ትሓስበሉ ኣላ

    ኣብ ምምሕዳር ኦስተርጎትላንድ፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና እናዛይደ ይመጽእ ስለዘሎ፡ እታ ምምሕዳር፡ መምርሒታት ከባብያዊ ቀይድታት ኮሮና ንኸተመሓላልፍ ምእንቲ፡ ትዘራረብ ከምዘላ ተፈሊጡ። መምርሒታት ከባብያዊ ቀይድታት ኮሮና ክመሓላለፍ ይኽእል እዩ። ክሳብ እዚ ሕጂ እዋን ግን፡ እዚ መምርሒ ስለዘይተመሓለለፈ፡ ተቐማጦ እዚ ምምሕዳር ዝኾኑ ሰባት፡ ነቲ ዘሎ መምርሒታት ከተግብሩን ክኽተሉን ከምዝግባእ። ንሕና፡ ዝሓሸ ኣማራጺ ኣብ ምንዳይ ኢና ንርከብ ዘለና ክትብል ሓላፊት ጥዕና እቲ ምምሕዳር፡ ጀሲካ …

  • 28 October

    ዜናታት ሽወደን ብትግርኛ Sverige Nyheter på Tigrinja 28/10/2020

  • 28 October

    ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ቅልጡፍን ኣጠቓላልን መስርሕ መርመራታት ንኸካይዳ ተሓቢሩ

    ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ንምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምክትታል፡ ቅልጡፍን ኣጠቓላልን መስርሕ መርመራታት ንኸካይዳ፡ ኮሚሽነር ኮምሽን ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ኦርሶላ ቮን ደር ላይን፡ ጠሊባ። ኣብ ኤውሮፓ፡ መልከፍቲ ለበዳ ኮሮና፡ ብናህሪ ይውስኽ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ጀርመንን ፈረንሳይን፡ ሎሚ፡ ጥቡቕ ዝኾነ መምርሒታት ኮሮና ከመሓላልፋ ትጽቢት ይግበር። ነፍሲ ወከፍ ኣባል፡ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ዝኾነት ሃገር፡ ንኣጠቓላሊ መስርሕ መርመራታት ዝምልከት ንጹር ስትራተጂአን ከቕርባ፡ ኤውሮፓዊት ኮሚሽነር፡ ጠሊባ ኣላ። ንዕድጊ …

  • 28 October

    ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ሽወደን፡ ጥቡቕ መምርሒታት ኮሮና ክመሓላለፉ ጠለባት ቀሪቦም

    ብምኽንያት ምውሳኽ ለበዳ ኮሮና፡ በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ኣብ ኣውራጃ ስኮናን ኣፕሳላን ጥብቕ ዝበለ መምርሒታት ምውጽኡ ተገሊጹ። ተመሳሳሊ ምጥባቕ ሕጊታት ኣብ ስቶክሆልምን ዮተቦሪን ክትግበር ድማ ሎሚ መዓልቲ ጻውዒት  ኣቕሪቡ ኣሎ ክብሉ ጸብጻባት ሬድዮ ሽወደን ሓቢሮም። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ፡ ኣብ ስኮና፡ ቁጽሪ በቲ ለበዳ እተታሕዙ ሰባት፡ ብዕጽፊ ምዝያዱን ኣብ መላእ እታ ምምሕዳር ድማ ብናህሪ ይላባዕ ኣሎ ክትብል ሓኪም ምክልኻል ለበዳታት፡ …

  • 27 October

    ሓሳኹ(Insekter)፡ ከም ዓይነት መግቢ ንኽሽየጡ፡ ሽወደን፡ ከተፍቅድ እያ

    ብመሰረት ውሳኔ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ሽወደን፡ ንውሱናት ዓይነት ሓሳኹ፡ ከም ዓይነታት መግቢ፡ ንኽሽየጡ ከተፍቅድ ምዃና እኳ እንተሓበረት፡ እቶም ዓይነታት ሓሰኻ፡ መርዛም ዝኾነ ባክተርያ ዝተሰከሙ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ሽወደናዊ በዓል መዚ መግብታት ገሊጹ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ሓቢሩ። ኣቐድም ኣቢለን፡ ዴኒማርክ፡ ሆላንድን ፊንላንድን፡ ንውሳኔ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ካብ ሽወደንን ካልኦት ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረትን ብዝተፈለየ ኣገባብን ብዝመስለን ቶርጒመን፡ ሓሳኹ ከም ዓይነት መግቢ ንኽሽየጥ ኣፍቂደን …

  • 26 October

    ዜና ሽወደን ብትግርኛ Sverige Nyheter på Tigrinja 26-10-2020

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com