Friday , April 26 2024

ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ቅልጡፍን ኣጠቓላልን መስርሕ መርመራታት ንኸካይዳ ተሓቢሩ

ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ንምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምክትታል፡ ቅልጡፍን ኣጠቓላልን መስርሕ መርመራታት ንኸካይዳ፡ ኮሚሽነር ኮምሽን ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ኦርሶላ ቮን ደር ላይን፡ ጠሊባ።

ኣብ ኤውሮፓ፡ መልከፍቲ ለበዳ ኮሮና፡ ብናህሪ ይውስኽ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ጀርመንን ፈረንሳይን፡ ሎሚ፡ ጥቡቕ ዝኾነ መምርሒታት ኮሮና ከመሓላልፋ ትጽቢት ይግበር።

ነፍሲ ወከፍ ኣባል፡ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ዝኾነት ሃገር፡ ንኣጠቓላሊ መስርሕ መርመራታት ዝምልከት ንጹር ስትራተጂአን ከቕርባ፡ ኤውሮፓዊት ኮሚሽነር፡ ጠሊባ ኣላ።

ንዕድጊ ናውቲ መርመራ ኮሮና ዝምልከት፡ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ 100 ሚልዮን ዩሮ ኣዳልዩ ምህላዉ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com