Sunday , May 5 2024

ግዳይ ኣብቲ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ቤት ምንባር ብምቕጻሉ ካሕሳ ይኽልከል

Credit: Maria Ridderstedt

ኩባንያታት መድሕን ካሕሳ ንምሃብ ግዳያት ጾታዊ ገበናት ከመይ ዝበለ ኲነታት ከቕርቡ ከም ዘለዎም ዝተፈላለየ ጠለባት ከም ዘለወን ብ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ዝተገብረ መርመራ ኣመልኪቱ። ‘ሳይሞን’ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝበጽሖ ብምግላጽ ካብቲ ትካል መድሕን ካሕሳ መሕወዪ እኳ እንተሓተተ እዚ ከም እተኸልከለ ተፈሊጡ። እቲ ትካል ነዚ ካሕሳ ካብ ምሃብ ዝተቖጠበሉ ምኽንያት እቲ ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ኣፓርታማ ምንባር ብምቕጻሉ እዩ። ንሱ ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዝኾነ ነገር እንተዝዛረብ ወይ ክወጽእ እንተዝፍትን እቲ ሳዕቤኑ ኣዝዩ ዝኸፍአ ምኸኩነታት ኣዝዩ ዝኸፍአ ምኾነ ክብል ኣብቲ ኣፓርታማ ምንባር ዝቐጸለሉ ኲነታት ምኽንያታዊ እዩ ክብል ተኸራኪሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com