Saturday , May 4 2024

ሰባት ደው ኣቢልካ ምፍታሽ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ዘሎ ተኣማንነት ክንኪ ዝገብር እዩ ተባሂሉ

Credit: FREDRIK PERSSON / TT

ፖሊስ ኣብ ዞባታት ደው ኣቢሎም ሰባት ክፍትሹ ዘኽእሎም ሓድሽ ሕጊ ካብ ጽባሕ ሓሙስ ጀሚሩ ተግባራዊ ብምዃን ፖሊስ ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ምፍታሽ ኣካላት ሰብነት ንምክያድ ዝለዓለ ስልጣን ክህልዎም ምዃኑ ተገሊጹ። መንግስቲ ሽወደን፡ ኣንጻር ገበናት ጕጅለታት ኣብ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ፡ ሓደስቲ ሜላታት ክትግበሩ ኣለዎም ኢሉ እዩ ዝምጉት። እቲ ኣገባብ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተፈተነ ኮይኑ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ገለ ጉጅለታት ኣድልዎ ንኽበጽሖም ዘቃልዕ እዩ ክብሉ ገለ መጽናዕትታት ይሕብሩ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ማልሞ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ስነ-ገበን ማነ ገረል፡ ንሰባት ደው ኣቢልካ ምፍታሽን ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ዘሎ ተኣማንነት ከም ዘንቈልቊል ዝገብር እዩ ክብል ነዚ ኣገባብ ዘለዎ ቅረታ ገሊጹ’ሎ። ካብ ዜናታት ድሕነት ከይወጻእና ምክልኻል መጥቃዕቲ ሳይበር ንምምሕያሽ ዝዓለመ ዓቢ ልምምድ ኔቶ ንምስላጥ ኣባል ሃገራት ኣብ ሃገረ ኢስቶንያ ከም ዝእከባ ተፈሊጡ። መጥቃዕቲ ሳይበር ብፍላይ ምስ ምትእትታው ቴክኖሎጂ AI ኣስጋኢ ምንጪ ድሕነት ይኸውን ምህላዉ ጸብጻባት የመልክቱ። ”ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ንሕብረተሰባትና ቁጽሪ ሓደ ጸገም መጥቃዕቲ ሳይበር እዩ” ክብል ዳይረክተር ማእከል ምክልኻልን ምትሕግጋዝን ሳይበር ኔቶ ማርት ኖርማ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com