Sunday , May 12 2024

ኮረና ቫይረስ

October, 2020

  • 26 October

    ኣብ ኦረብሮ እትርከብ መዋእለ ህጻናት፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ተዓጽያ

    ኣብ ምምሕዳር ኦረብሮ እትርከብ፡ መዋእለ ህጻናት ኦስተሪንገን፡ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ኣባላት’ታ መዋእለ ህጻናት ዘጋጠመ ርጉጽ መልከፍቲ ኮሮናን ዝተለኽፉ ክህልዉ ይኽእሉ እዮም ብዝብል ምኽንያት፡ እታ መዋእለ ህጻናት ማዕጾኣ ክትዓጹ ተገዲዳ ምህላዋ ሓቢሩ። እታ ኣብ ኦስተር፡ ኦረብሮ፡ እትርከብ መዋእለ ህጻናት፡ ካብ ጽባሕ ሰሉስ ጀሚራ ክሳብ መጨረሽታ ናይዚ ሰሙን ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ዕጹውቲ ክትከውን ምዃና ምምሕዳር እታ መዋእለ ህጻናት ወሲኑ።   ቁጽሪ መምህራን …

  • 26 October

    መንግስቲ ኖርወይ፡ ቀይድታት ኮሮና የትርር

    መንግስቲ ኖርወይ፡ ንመምርሒ ቀይድታት ኮሮና ከትርር ምዃኑ፡ ሎሚ ገሊጹ ክብል SVT ሓቢሩ። ኣቐድም ኣቢላ፡ ኦስሎ፡ ኣብ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ዘለዎ ከባቢታት፡ ካብ ሓደ ሜትሮ ንላዕሊ ርሕቀት ኣብዘይብሉ ኣከባቢ፡ ናይ ኣፍ ማስክ፡ ምውዳይን ካብ ሰዓት 10 ናይ ምሸት ንደሓር ኣብ ዘሎ ግዜ ድማ ባራትን ቤት ምግብታትን ዕጹው ንኽኸውን ሓቢራ። ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኖርወይ፡ ሎሚ ኣብ ዘመሓላለፈቶ መምርሒታት፡ ኣብ ሓደ እዋን፡ 5 ዝኾኑ ኣጋይሽ …

  • 26 October

    ኣብ ሽወደን፡ ምንቁልቋል መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ይቕጽል

    መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ ሽወደን፡ ምንቁልቋሉ ይቕጽል ከምዘሎ ካብ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ዝወጸ ሰሙናዊ ጸብጻብ ሓቢሩ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣመሓላሊፉ። ኣብ ሽወደን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ዝተመዝገቡ፡ ሓደስቲ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት፡ ቁጽሮም 7865 ነይሩ። ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ሳምንታት፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ብተኸታታሊ ካብ 9.0% ናብ 8.9% ሕጂ ድማ 8.8% ምብጽሑን ምንቁልቋል የርኢ ከምዘሎን ጸብጻባት …

  • 26 October

    ጋዜጣዊ ጸብጻባት፡ ምርኽኻብ ናይ ጸረ ኮሮና ክታበት፡ ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ክፍጸም እዩ ይብሉ

    ኣባላት ናይ ሓንቲ ካብ ቀንዲ ሆስፒታላት ለንደን (ዓዲ እንግሊዝ) ምዃና እትፍለጥ ሆስፒታል፡ እቲ ብኩባንያ ኣስትራ ዚኒካ ዝፈረየ ጸረ ኮሮና ክታበት፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር፡ ክርከቡ ምዃኖም ተሓቢሮም ከምዘለዉ ብሪጣንያዊ ጋዜጣ ዘ ሳን (The Sun) ኣቃሊሑ ክብል SVT ሓቢሩ። እዚ ጸረ ኮሮና ክታበት’ዚ፡ ኣብ ሓደ ሆስፒታላት ደቂሶም ኣብ ዝነበሩ ሕሙማት ተፈቲኑ፡ ጽቡቕ ውጽኢት ዘምጸአ እዩ ክብል፡ ጸብጻብ ጋዜጣ ዘ ሳን፡ ስም …

  • 23 October

    ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på Tigrigna 23 October 2020

  • 23 October

    ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på Tigrigna 21 Oktober 2020

  • 23 October

    ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på Tigrigna 21 Oktober 2020

  • 23 October

    ካልኣይ ማዕበል መልከፍቲ ኮሮና ንምክልኻል ኣብ ኣውሮፓ፡ ዝተረሩ ቀይድታት ይትግበሩ

    በዓልመዚ ምቁጽጻር ለበዳ ኣውሮፓዊ ሕብረት፡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣውሮፓ፡ ብኻልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮሮና ትጥቃዕ ምህላዋ ብምምልካት፡ ነገራት ካብ ዝነበርዎ ክገዱ ከም ዝኽእሉ ገሊጹ። ብርክት ዝበላ ሃገራት፡ ቀይድታት ኣብ ምትራር ተጸሚደን ብምህላወን፡ ብፍላይ ድማ ፖላንድን በልጄምን ዝተረረ ቀይድታት ወሲደን ምህላወን ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢሩ። መንግስቲ ፖላንድ ዛጊት ኣብ ኣብያተ መግቢ፡ ካብ ሓሙሽተ ሰባት ንላዕሊ ኮፍ ከይብሉ ምኽልካሉን ዕድሚኦም 70ን ልዕሊኡን ዝኾኑ …

  • 23 October

    ኣብ ምምሕዳር ስቶክሆሎም፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና ይውስኽ ኣሎ ተባሂሉ

    መጠን መልከፍቲ ኮሮና ኣብ ምምሕዳር ስቶክሆሎም ብልዑል ናህሪ ይውስኽ ምህላዉ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ስቶክሆሎም ሓቢሩ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣቃሊሑ። ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ መዓልታት፡ ማለት ካብ ሰሉስ ክሳብ ዓርቢ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ 1341 ሰባት ብኮሮና ምልካፎም ክፍለጥ እንከሎ፡ 11 ሓደስቲ ሕሙማት ሰባት ወሲኽካ፡ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ትሕቲ ሕክምናዊ ምክትታል ዝርከቡ ሕሙማት፡ 85 ሰባት ምብጽሑን ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ጽዑቕ …

  • 23 October

    ኖርወይ፡ በዓል ልደት ንምድሓን፡ ሓደስቲ ቀይድታት ተመሓላልፍ

    ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምግታእ፡ ካብ ዝቕጽል ሰሙን ጀሚሩ፡ መንግስቲ ኖርወይ፡ ሓደስቲ ቀይድታት ክእውጅ ምዃኑ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኖርወይ፡ ኢርና ሶልቤሪ፡ ገሊጻ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ሓቢሩ። ሽሕ’ኳ መጠን መልከፍቲ ኮሮና ይጎድል እንተሃለወ፡ ብዝሒ ናይቶም ናብ ሆስፒታላት ዝኣትዉ ዘለዉ ሰባት ወሲኹ ድሕሪ ምባል፡ ሶልቤሪ፡ ሰብ መዚ ኖርወይ፡ ንኣገባብ ኣተገባብራ ናይቶም ሓደስቲ ቀይድታት ብዝምልከትን ይሰርሕሉ ምህላወምን ኣብተን ዝያዳ መጠን ለበዳ ዘለወን ከባቢታት …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com