Sunday , May 12 2024

ምምሕዳር ኦፕሳላ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታቱ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ኣዊጁ

ምምሕዳር ኦፕሳላ፡ ሎሚ ካብ ሰዓት 1:00 ድ.ቐ. ዝጀመረ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታቱ (stabsläge) ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ከም ዝኣወጀ ሓቢሩ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ገሊጹ።

መጠን ብኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት ብናህሪ ይውስኽ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ቁጽሪ ሕክምናዊ ምክትታል ዘድልዮም ሰባት እናዓበየ ስለዝኸደ፡ ውሳኔ ንኽንወስድ ተወኪልና ንምትግበሩ ድማ ጀሚርና ኣለና ክብል ሓላፊ ህዝባዊ ጥዕና’ታ ምምሕዳር፡ ሚካኤል ኮለር፡ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

እዚ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ኣዋጅ፡ ንሕሙማት ኮቪድ-19 ብዙሕ ዝጸልዎም ኣይኮነን። ሕክምናዊ ክንክን ኣብ ዝደልየሉ እዋን ከምቲ ልሙድ ክጠልብ ከምዝኽእልን ንመርመራ ክቐርብ ውን ይኽእል እዩ ክብል፡ ኮለር፡ ሓቢሩ።

 ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ዝተበየነ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ሓደጋ፡ እቲ ዝተሓተ ደረጃ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ኮይኑ፡ ንሰራሕተኛታት ቀልጢፍካ ምግዓዝን ንሰዓታት ስርሖም ብዝምልከት ቅልጡፍ ውሳኔ ምውሳድን ዘኽእል እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com