Monday , May 13 2024

ኣብ ምምሕዳራት ከተማ ዝሰርሑ ኣባላት፡ ናይ 5.4% ወሰኽ ደሞዝ ክግበረሎም እዩ

ማሕበር ፈደረሽናት ምምሕዳር ከተማ (Kommunal) ምስ ማሕበር ኣስራሕቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበትን ሰኑይን ድሕሪ ዘካየዶ ጽዑቕ ዘተ፡ ንጉዳይ ወሰኽ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ምምሕዳር ከተማ ብዝምልከት፡ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐ ኣዊጁ። እቲ ወሰኽ ደሞዝ ድማ 5.4% ክኸውን ከምዝተወሰነን፡ ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ድማ ንነፍሲ ወከፍ ሰራሕተኛ ኣብ ሓደ እዋን ናይ 5500 ክሮን ክኽፈል ከምዝወሰነ መርበብ ሓበሬታ SVT ኣቃሊሑ።

ወሰኽ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ምምሕዳር ከተማ፡ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ዝጅምር ኮይኑ፡ ኣብዚ ወርሒ’ዚ 2% ክውሰኽ ምዃኑን ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይ ዝቕጽል ዓመት ድማ 2% ክውስኽ እዩ። ኣብ ዓመተ 2022 ድማ እቲ ወሰኽ 1.4% ኮይኑ ብድምር ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት 5.4% ወሰኽ ደሞዝ ክህሉ እዩ።

እቲ ስምምዕ፡ ንሰዓታት ስራሕ ናይ ለይቲ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ብዝምልከት፡ ዘጠቓለለ እዩ። እዞም ሰራሕተኛታት’ዚኣቶም ኣብ ሰሙን 34.20 ሰዓታት ንኽሰርሑ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ኣሎ።

ነቶም ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና፡ ክረምታዊ ዕረፍቶም ዘሰጋገሩ ሰራሕተኛታት ብዝምልከት፡ ካብ 3000 ክሳብ 5000 ክሮን ዝበጽሕ ካሕሳ ክኽፈሉ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com