Saturday , May 18 2024

ኮረና ቫይረስ

August, 2020

  • 21 August

    ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter 21 ነሓሰ 2020

  • 21 August

    መንግስቲ፡ ንገደብ ግዜ ሕክምና ስኒ ኣናዊሑ

    ኣብ ሽወደን፡ ወጻኢታት ሕክምና ስኒ፡ ኣብ ውሽጢ 12 ኣዋርሕ  ልዕሊ 3000 ክሮነር ምስ ዝኸውን፡ ካብ መንግስቲ፡ ሆግኮስትናድስዂደት (Högkostnadsskyddet) ዝበሃል ሓገዝ (ድጎማ) ክረክብ ከምዝኽእል ይፍለጥ። ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና፡ ብፍላይ ድማ ካብ 1 ሚያዝያ ክሳብ 31 ነሓሰ ኣብ ዝነበረ እዋን ቆጸራ ዝነበሮም እሞ ብሰንኪ ኮሮና ክረኣዩ ንዘይከኣሉ ሰባት፡ እቲ ናይ 12 ኣዋርሕ ዕድል ክሓልፎም ስለዝኽእል፡ መንግስቲ፡ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ገደብ …

  • 20 August

    ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት 8.9% በጺሑ

    ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ ኣብ ሽወደን፡  መጠን ብዝሒ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት ክሳብ 502 ሽሕ ምብጽሑን መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ድማ 8.9% ምብጽሑ ተሓቢሩ። ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ድማ ብዝሒ ስራሕ ኣልቦ ብ 112 ሽሕ ክውስኽ እንከሎ፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ድማ ብ 2% ምውሳኹ ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ስታቲስቲክስ ሽወደን (SCB) ከምዝሓበረ TT ኣቃሊሑ። መጠን ብዝሒ ስራሕ ኣብ ሽወደን ክሳብ 68.3% …

  • 19 August

    ፊንላንድ፡ ምስ ሽወደን ዘለዋ ናይ ዶብ ሕግታት ኣፍኲሳቶ

    ሃገረ ፊንላንድ፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮፓ ኣፍዂሳቶ ዝጸንሐት እገዳ መገሻ ከምእንደገና ኣጽኒዓቶ ኣላ። ኣብ ልዕሊ ጀርመን፡ ግሪኽ፡ ማልታ፡ ኖርወይ፡ ዴኒማርክን ኣይስላንድ ናይ መገሻ እገዳ ኣጽኒዓ ኣላ። ኣብ ዶባት ፊንላንድ ዝነብሩ ሽወደናውያን፡ ብምሉእ ናጽነት ናብ ፊንላድ ክኣትዉ ከምዝኽእሉ መንግስቲ ፊንላድ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ ክብል ጋዜጣ ስቨንስካ ኢለ ኣቃሊሑ። ንኣተገባብራ እቲ ውሳኔ ብዝምልከት ንጹር ዝኾነ መምርሒ …

  • 19 August

    ብካርድ ዝግበር መስርሕ ክፍሊት ንጥፈታቱ ወሲኹ

    ኣብ ካልኣይ ሰሙን ናይ ወርሒ ነሓሰ፡ ንጥፈታት ናይቲ ብካርድ ዝግበር መስርሕ ክፍሊት ከምዝወሰኸ ተሓቢሩ። ንጥፈታት መስርሕ ክፍሊት፡ ምስቲ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ክነጻጸር እንከሎ፡ ብ3% ከምዝተሓተ ስዌድ ባንክ ሓቢሩ። መጠን ሃልኪ ዓይነታት መግቢ ብምውሳኹ፡ እቲ ብካርድ ናይ ምኽፋል መስርሕ ከምዝተመሓየሸን በንጻሩ ድማ እቲ ኣብ ምዝንጋዕ፡ ባህላዊ ንጥፈታትን ጉዕዞታትን ዝተራእየ ዝሕታለ ነቲ ክኸውን ዝነበሮ ምምሕይሽ ኣገባብ ኣከፋፍላ ከምዝጎተቶ …

  • 19 August

    ምስ ምጅማር ኣብያተ ትምህርቲ፡ ብዝሒ ተጠቀምቲ ህዝባዊ መጓዓዝያታት ክውስኽ ትጽቢት ይግበር

    እዋን ዕረፍትን ግዜ ሓጋይን ኣብ ምዉድኡን፡ ብፍላይ ከኣ ምስ ምጅማር ኣብያተ ትምህርቲ፡ ኣብ ኩለን መስመራት መጓዓዝያ እዚ ሃገር ጽቕጥቅጥን ምጭንናቕን ክፍጠር እዩ ዝብል ስግኣት ናይ ብዙሓት ምዃኑ ጸብጻባት ኣረጋጊጾም። መዓልታዊ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ተጓዓዝቲ ከምዘመላልስ ዝንገረሉ ምድሪ ባቡር ስቶክሆልም ሓዊስካ፡ መብዛሕትአን ትካላት መጓዓዝያ ሽወደን ሰዓታት ሰለዳ መጓዓዝያ ካብቲ ናይ ሓጋይ ናብ ናይ ቀዉዕን ክረምትን መደባት፡ ትማሊ ከምዝቐየራ፡ ኣብ ብዙሓት መስመራት ከኣ …

  • 18 August

    ሕግታት መገሻ ሽወደናውያን ናብ ነዘርላንድ

    ሃገረ ነዘርላንድ ኩሎም ብዘይካ ካብ ምዕራብ፡ ካብ ካልእ ሸነኽ  ሽወደን ናብታ ሃገር ንዝኣትዉ ገያሾ እታ ሃገር ንለበዳ ኮሮና መን ዝዉሸብ ንምልላይ ብመሰረት ዘዉጽኣቶ ሕግታት መብዛሕቶም ሽወደናዉያን ብብጫ ሕብሪ ከምዝተለለዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ብዘይካ ካብ ምዕራባዊ ሸነኽ ሽወደን ዝመጹ፡ ካልኦት ከይተወሸቡ ምእታዉ ከምዝኽእሉን እቶም ካብ ብጫ ሕብሪ ወጻኢ ዝተዋህቦም ግን 14 መዓልቲ ምዉሻብ ከምዘድልዮም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

  • 18 August

    ኣብ ካልማር እትርከብ መዋእለ ህጻናት፡ መልከፍቲ ኮሮና ኣጋጢምዋ

    ኣብ ዞባ ካልማር፡ ሓደ መዋእለ ህጻናት፡ ብሰንኪ 3 ሰራሕተኛታቱ ብለበዳ ኮሮና ከምዝተለኸፉ ምርግጋጹ ከምዝተዓጽወ ካብ ካልማር ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣነጺሩ። ዝርዝር ሓበሬታ እቶም ሰራሕተኛታት ብኸመይ ከምዝተታሕዙ እኳ እንተዘይተገልጸ፡ ምምሕዳር እቲ መዋእለ ህጻናት ኩነታት ናይቶም  ሰራሕተኛታት ምስተፈልጠ ነዚ ስጉምቲ ከምዝወሰደ ተፈሊጡ። ብዘይካ ሰለስተ ሰራሕተኛታት፡ ምልካፎም ካልኦት ኣርባዕተ ኸኣ ምልክታት ተራእይዎም ተባሂሎም ኣብ ገዝኦም ከምዘሎዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ብምዕጻዉ እቲ መዋእለ ህጻናት 90 ዝኾኑ …

  • 18 August

    ኢንዱስትርያዊ ኩባንያታት ሽወደን፡ ተስፋ ዝህብ ምልክታት የርእዩ

    ኩነታት ናይተን ኣብ ምስናዕን ህንጻን ዝነጥፋ ኢንዱስትርያዊ ኩባንያታት ሽወደን፡ ቅልውላው ኮሮና ካብ ዝጅምር፡ ንፈለማ እዋን ምምሕያሽ የርኢ ምህላዉ ጸብጻባት ሃገራዊ ትካል ኢኮኖምያዊ መጽናዕታት ሓቢሩ። ናይ መሸጣ ክሳራታት ኣሎና ዝብላ ኩባንያታት ካብቲ ኣብ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዝነበረ ብዝሒ ምውሓዱ ሓደ ካብ ምልክታት እዩ ክብል እቲ ትካል ሓቢሩ። ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ሸውዓተ ካብ ዓሰርተ ኣብ ምስናዕ ዝነጥፋ ኢንዱስትርያዊ ኩባንያታት፡ ልዕሊ ፍርቂ ካብ …

  • 17 August

    ሓንቲ ፋብሪካ፡ ብሰንኪ መልከፍቲ ኮሮና ተዓጽያ

    ኣብ ሎቨን፡ ከባቢ ሊድሾፒን ቬስተርዮትላንድ፡ ትርከብ ፋብሪካ ሞኤልቨን ሊስት፡ ሰለስተ ካብ ስራሕተኛታታ ብኮሮና ቫይረስ ከምተለኽፉ ምስ ፈለጠት ንዝተረፉ 60 ሰራሕተኛታት ምሉእ ደሞዝ እናኸፈለት ናብ ኣባይቶም ከይዶም ንኽውሸቡ ከምዝሰደደቶምን ፍርያታ ኣቋሪጻ ከም ዝዓጸወትን ተፈሊጡ። ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓደ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፈ ሰራሕተኛ ከምዝተረኽበ እኹል ዝኾነ ናይ ምንጻህን መከላኸሊን ስጉምታት ከም ተወስደ ዝፍለጥ እኳ እንተነበረ፡ ስዒቡ ግን፡ ክልተ ኣብ ጥቕኡ ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com