Saturday , May 11 2024

ኣብ ካልማር እትርከብ መዋእለ ህጻናት፡ መልከፍቲ ኮሮና ኣጋጢምዋ

ኣብ ዞባ ካልማር፡ ሓደ መዋእለ ህጻናት፡ ብሰንኪ 3 ሰራሕተኛታቱ ብለበዳ ኮሮና ከምዝተለኸፉ ምርግጋጹ ከምዝተዓጽወ ካብ ካልማር ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣነጺሩ። ዝርዝር ሓበሬታ እቶም ሰራሕተኛታት ብኸመይ ከምዝተታሕዙ እኳ እንተዘይተገልጸ፡ ምምሕዳር እቲ መዋእለ ህጻናት ኩነታት ናይቶም  ሰራሕተኛታት ምስተፈልጠ ነዚ ስጉምቲ ከምዝወሰደ ተፈሊጡ። ብዘይካ ሰለስተ ሰራሕተኛታት፡ ምልካፎም ካልኦት ኣርባዕተ ኸኣ ምልክታት ተራእይዎም ተባሂሎም ኣብ ገዝኦም ከምዘሎዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ብምዕጻዉ እቲ መዋእለ ህጻናት 90 ዝኾኑ ስድራ ቤታትን 25 ሰራሕተኛታትን ካብ ምርካብ ኣገልግሎትን ስርሖምን ከምዝተጎናደቡ ይንገር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com