Saturday , May 4 2024

ኮረና ቫይረስ

August, 2020

  • 11 August

    ሩስያ ናይ መጀመሪያ ክትባት ኮሮና ቫይረስ ኣብ ጥቕሚ ኣውዒላ

    ሩስያ ኣብ ዓለምና ናይ መጀምርያ ናይ ኮሮና ቫይረስ ክትባት ኣዳልያ ከምዝወደኤት ብመንገዲ ፕሬዘዳን እዛ ሃገር  ቭላድሚር ፑቲን ሓቢራ። እዚ ፕሬዘዳንት ፑቲን ውሲኹ እዚ በክትባት ኣድላዪ መስርሕን ምድላዋትን ብምሕላፍ ውጽኢታዊ ክኸውን ከምዝኽኣለ ናይ መጀምርያ ኣብ ሰባት ብምፍታን ንጥቕሚ ዘውዓለት ክትከውን ኪኢላ  ክትብል መርበብ ሓበሬታ CNN ሓቢራ። https://edition.cnn.com/world/live-news/coronavirus-pandemic-08-11-20-intl/h_01ce01c500e69970d35a4c02ea77d262?utm_term=link&utm_content=2020-08-11T09%3A28%3A31&utm_source=fbCNNi&utm_medium=social&fbclid=IwAR0MFugs1HTK-vJjVfflSZT6-4GvTrow1GXX9BykTw8poh_C4jb6b-ixEsY

  • 11 August

    ግሪክ፡ ናብ ሃገራ ንምእታው ዘኽእሉ፡ ምስ ለበዳ ኮሮና ዝተሓሓዙ፡ ሕግታት ተትርር

    በጻሕቲ ገያሾ፡ ናብ ሃገረ ግሪኽ ንኽኣትዉ ዘኽእሎም ናይ 72 ሰዓታት ዕድመ ዘለዎ፡ ካብ ኮሮና ነጻ ምዃኖም ዝሕብር፡ ውጽኢት መርመራ ካብ ሰኑይ ዕለት 17/8/2020 ጀሚሩ ከቕርቡ ከምዝግባእ መንግስቲ ግሪኽ ምሕባሩ ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ኣቃሊሑ። እዚ ዓይነት መርመራ ብስም PCR ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሓደ ሰብ ብኮሮና ዝተለኽፈ ንኸይከውን ንምፍላጥ ዝግበር መርመራ እዩ። ኣብ ግሪኽ፡ ቁጽሪ ናይቶም ብኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት ይውስኽ ምህላዉን ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት …

  • 10 August

    ብዝሒ ጉዕዞታት ኣየር፡ ምምሕያሽ የርኢ

    ኣብ ወርሒ ሓምለ/2020፡ መጠን ብዝሒ ብመዓርፎ ነፈርቲ ስወዳቭያ ዝጥቀሙ ተጓዓዝቲ ምስቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ/2019 ዝነበረ ክነጻጸር እንከሎ ብ87% ከምዝጎደለ ጸብጻባት ይሕብሩ።ብድምር ክረአ እንከሎ፡ ኣስታት 486 ሽሕ ተጓዓዝቲ ከምዝነበሩን፡ እቶም 307 ሽሕ ወጻእተኛታት (ብ90% ዝጎደሉ) ክኾኑ እንከለዉ እቶም 179 ሽሕ ድማ ደቂ ዓዲ (ብ 79% ዝጎደሉ) እዮም ኔሮም።ምስ ምልዓል ናይ መገሻ እገዳታት፡ መጠን ብዝሒ ገያሾ ብከፊል ይውስኽ ምህላዉ ይፍለጥ። ኣብ ታሪኽ …

  • 10 August

    መጠን ሃለኽቲ ንብረት ምምሕያሽ የርኢ

    መጠን ናይ ገዛ ሃለኽቲ ንብረት፡ ካብቲ ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና ኣጋጢምዎ ዝጸንሐ ዕንቅፋት፡ ምምሕያሽ ከርኢ ከምዝጀመረ ተፈሊጡ። ኣብ ወርሒ ግንቦት ብ 9.2% ኣንቆልቂሉ ዝጸንሐ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ ቅሩብ ምምሕያሽ ብምርኣይ ናብ 6.6% ደይቡ። መጻኢ ናይተን ኣብ ጽላት ምእንጋድ ዝነጥፋ ትካላት ግን ጸልማት ከምዘሎን ኣብ ወርሒ ሰነ ጥራይ፡ ልዕሊ ርብዒ ካብ መጠን ሃልክታት ከምዝኸሰራን ምስ ወርሒ ሰነ/2019 ብምንጽጻር ጸብጻባት ትካል ስታትስቲክስ ሽወደን …

  • 10 August

    ኣብ ሽወደን፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት “ማስክ” ዝምልከት ክትዕ ይካየድ

    ወቕቲ ቀውዒ እናኣተወ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን፡ ብዙሓት ሰባት ናብ ስርሖምን ትምህርቶምን ዝምለስሉ እዋናት ብምዃኑ፡ ኣብ ሽወደን፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ማስክ ዝምልከት ክትዕ ከምእንደገና ተላዒሉ ምህላዉ SVT ሓቢሩ።ሽወደን፡ ንምቁጽጻር ለበዳ ኮሮና እትኽተሎ እስትራተጂ ክትቅይር ብምጽዋዕ፡ ኣብ ዝቕጽል ወቕቲ፡ ብዝሒ ሰብ ክህሉ (ጭቕጭቕ) ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ እዋን፡ ንምኽዳን ማስክ ዝግድድ መምርሒ ከተመሓላልፍ ይግባእ ክብል መምህር ስነ ሒሳብ ዝኾነ ቶም ብራይቶን ኣብ ጋዜጣ …

  • 5 August

    ዜና ሽወደን ትግርኛ – Svenska Nyheter På Tigrigna 05 ነሓሰ 2020

  • 5 August

    ዜና ሽወደን ብትግርኛ Tigringa News 05/08/2020

    https://youtu.be/62XeyjLDiWc

  • 4 August

    ኢንዱስትርያዊ መፍረ ሽወደን ብናህሪ ወሲኹ ተባሂሉ

    ሓባሪ መጠን መፍረ ኢንዱስትሪ፡ ፓርቼዚንግ ማናጀርስ ኢንዴክስ (Inköpschefsindex)፡ ኣብ ወርሓ ሓምለ ካብታ ቅድሜኣ ዝነበረት ወርሒ ካብ 47.6 ናብ 51.0 ምውሳኹ ገሊጹ። ከም ናይ ጠለብን ፍርያትን ዝኣምሰሉ ንኡሳን ረቛሒታት ነዚ ወሰኽ መጠን ኢንደክስ ዓቢ ኣበርክቶ ከም ዝገበሮም ይግለጽ። መፍረ ኢንዱስትሪ፡ ድሕሪ ወርሒ ለካቲት ናይዚ ዓመት፡ ንፈለማ ግዜ ናብ ደረጃ ምውሳኽ ገጹ ከም እተመልሰ ስዊድባንክ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። እዚ ስታቲስቲክስ፡ …

  • 4 August

    ምንቁልቋል ንግዲ መካይን ይቕጽል

    ብመሰረት ሓበሬታ ማሕበር ቢል ሽወደን (branschorganisationen Bil Sweden)፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ 22,718 ሓደስቲ መካይን ምምዝጋበን ሓቢሩ። እዚ ቁጽሪ ምስ ዓሚ ዝነበረ ተመሳሳሊ ወርሒ ክወዳደር እንከሎ ብ4% ዝውሕድ እዩ። ኣብ ወርሒ ሓምለ ዘሎ ምንቁልቋል፡ ካብ ናይ ዝሓለፋ ኣዋርሕ ዝውሕድ እዩ ክብል ቢል ሽወደን ሓቢሩ። ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝተራእየ ምምሕያሽ ምንቁልቋል ዕዳጋታት፡ ብሰንኪ ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ኤውሮፓ ዘሎ መፍረ መካይን ምጅማሩን፡ ካብ …

  • 4 August

    ዜና ሽወደን ብትግርኛ Tigrigna News 03 ነሓሰ 2020

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com