Saturday , May 4 2024

ኮረና ቫይረስ

July, 2020

  • 28 July

    ስቶክሆልም፡ ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና ቁጽሪ ነፍሰጾራት ምውሳኹ ተሓቢሩ

    ኣብ ወርሓት ሓምለን ነሓሰን ቁጽሪ ነፍሰጾር ደቀንስትዮ ምውሳኹ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። “ኣብ ወቕቲ ጽድያ ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና ብብዝሒ ቈልዑ ክውለዱ እዮም”! ዝብል ዋዛ  ሕጂ ግና ናብ ጋህዲ ይቕየር ምህላዉ ኣሕራሲት ግላዊ ክሊኒክ ሶደርማልም፡ ሳራ ፕሪቨዝ፡ ገሊጻ። ብሰንኪ ብዝሒ ብጹሓት ነፍሰጾራት ናብ ካልኦት ክሊኒካት ከይደን ኣገልግሎት ክረኽባ ከም ዝገብረት ዝገለጸት እዛ ሓኪም “ደቀንስትዮ መን ይስዓበና” ዝብል ሻቕላ ከም ዘለወን ሓቢራ። ምዝገባ …

  • 27 July

    ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska Nyheter På Tigrigna 27 Juli 2020

  • 27 July

    ብዝሒ ናይቶም ኣብ ሽወደን ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት፡ ታሪኻዊ ዝኾነ ዋሕዲ ኣመዝጊቡ

    ቁጽሪ ናብ ሽወደን ዝመጹ ስደተኛታት፡ ብሰንኪ ቀይድታት መገሻ፡ ክጎድል ከምተራእየን ኣብ ዝቕጽል እቲ ቁጽሪ ትሑት ክኸውን ከምዝኽእልን ጨንፈር ኢሚግሬሽን ይግምት። ብኻልእ ወገን፡ ብዝሒ ናይቶም ንስራሕ ይኹን ንትምህርቲ ናብ ሽወደን ዝመጹ ወጻእተኛታት ክጎድል ከምዝኽእል እቲ ጨንፈር ምሕባሩ TT ኣቃሊሑ። ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት፡ ብዝሒ ሓተቲ ዑቕባ ካብ 10 ሽሕ ክሳብ 17 ሽሕ ክበጽሕ ከምዝኽእል ገምጋማት ኢሚግሬሽን ይሕብሩ። እዚ ድማ ካብቲ ኣብ …

  • 27 July

    በዓል መዚ ኣህለኽቲ ዓማዊል፡ SAS ናይ ትኬት ክፍሊት ንኸይመልስ ይዶኗጌ

    ስካንድናቭያዊ ኩባንያ SAS፡ ናይ ትኬት ክፍሊት ንኸይመልስ ይዳናገይን ነቶም ትኬታቶም ብመንገዲ ወኪል መገሻ ዝኾኑ ትካላት ዝገዝኡ ሰባት የደናግር ከምዘሎን ክብል ሽወደናዊ በዓል መዚ ኣህለኽቲ ዓማዊል ከምዝነቐፎ፡ መርበብ ሓበሬታ TT ኣቃሊሑ። ኩባንያ SAS፡ ንዝነበራ ናይ በረራ መደባት፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ምስራዙ ይዝከር። በዓል መዚ ኣህለኽቲ ዓማዊል፡ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ፡ ኣብ ጽድያ ናይ መረመራ ስርሓቱ ከምዝጀመረን ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ውጽኢት መርመርኡ …

  • 27 July

    ሚኒስተር ዕዮ፡ ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ ኣተሓሳሳቢ ኩነታት ኣሎ ይብል።

    ሚኒስተር ዕዮ፡ ኢቫ ኖርድማርክ፡ ሽወደን፡ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ከጋጥማ እዮ ክትብል ምጥቃሳ ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢሩ። መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ናብ 9.8% ምዕባዩን ብፍላይ ኣብ መንእሰያት፡ እቲ መጠን ናብ 30% ይገማገም ኣሎ ተባሂሉ። ብመሰረት ኖርድማርክ፡ እቲ ኣሃዝ ክውስኽ ከም ዝኽእል ይግመት። ካብ ማእከል ስታቲስቲክስ ሽወደን እተረኽበ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ ኣብ ወርሓ ሰነ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ብዘይ ስራሕ ክተርፉ ክኢሎም ኣለዉ። …

  • 25 July

    ዴኒማርክ፡ ንተቐማጦ 5 ተወሰኽቲ ምምሕዳራት ሽወደን ዶባታ ትኸፍት

    በዓል መዚ ጥዕና ዴኒማርክ፡ ካብን ናብን 5 ተወሰኽቲ ምምሕዳራት ሽወደን መገሻ ከምዘፍቀደ ገሊጹ። እተን ምምሕዳራት፡ ዮምትላንድ፡ ሶርምላንድ፡ ኦብሳላ፡ ኦሬብሮን ኦስትርዮትላንድን ምዃነን መርበብ ሓበሬታ TT ሓቢሩ። ቅድሚ ሕጂ፡ ዴኒማርክ፡ ንተቐማጦ ምምሕዳራት ቢሊኪንጋ፡ ክሮኖቤሪ፡ ሃላንድ፡ ቬስተርቡቲን፡ ካልማር፡ ቬርምላንድን ስኮናን ኣፍቂዳ ምንባራ ይዝከር። በዓል መዚ ጥዕና ዴኒማርክ፡ ብሰንኪ ብዝሒ መጠን ለበዳ ኮሮና፡ ናብተን ዝተረፋ ምምሕዳራት ሽወደን መገሻ ከልኪሉ ከምዘሎ ይፍለጥ። ዴኒማርክ፡ ንኹነታት ምእታው …

  • 25 July

    ኣብ ስቶክሆልም፡ 223 ሽሕ መርመራ ጸረ-ነፍሳት ተኻይዱ

    ካብ መፋርቕ ወርሒ ሰኔ፡ መርመራታት ጸረ-ነፍሳት ብነጻ ክካየድ ምስ ጀመረ፡ ኣብ ምምሕዳር ስቶክሆልም ኣስታት 223 ሽሕ መረመራታት ከምተኻየደ መርበብ ሓበሬታ TT ገሊጹ። መርመራ ጸረ-ነፍሳት፡ ሓደ ሰብ ብቫይረስ ኮሮና ተጠቒዑ ምንባሩን ዘይምንባሩን ዝሕብር እዩ። ካብ መበል 25 ሰሙን ክሳብ 29 ሰሙን ኣብ ዘሎ ግዜ ዝተኻየደ መርመራታት፡ 16.7% ናይቶም መርመራ ዘካየዱ ሰባት ጸረ-ነፍሳት ዘማዕበሉ ምዃኖም እቲ ውጽኢት ሓቢሩ። ካብ ሰሙን ናብ ሰሙን …

  • 25 July

    ኣብ ሽወደን ዝርከባ ኣብያተ ሲኔማታት ክኽፈታ እየን ተባሂሉ

    ኣብ መብዛእትኡ ከባቢታት ሽወደን ዝርከባ ኣብያተ ሲኔማታት ከምተኸፍታን፡ እንተኾነ ግን ዋሕዲ በጻሕትን ዓበይቲ ኣሜሪካውያን ፍልሚታትን ኣጋጢምወን ከምዝርከብ ክብል መርበብ ሓበሬታ TT ሓቢሩ። ኣብ ኣደራሻት ኣብያተ ሲኔማታት፡ ልዕሊ 50 ሰባት ከነአንግድ ክንጅምር ኣለና ክብል ኣካያዲ ስራሕ ኣብያተ ሲኔማታት ሽወደን፡ ፒተር ፎርንስታም፡ ገሊጹ። ዝርገሐ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምግታእ ተባሂሉ፡ ኣብያተ ሲኔማታት ኣፍደገታተን ዓጽየን ከምዝነበራ ይፍለጥ። ካብ’ዚ ሰሙን ጀሚረን ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ …

  • 24 July

    ኣብ እዋን ቅልውላው ቫይረስ ኮሮና፡ 30% ካብ ሽወደናውያን ብስነ-ኣእምራዊ ጭንቀት ከምዝሳቐዩ ተፈሊጡ

    ኣብ እዋን ቅልውላው ቫይረስ ኮሮና፡ ኣብ ሽወደን፡ ብዝሒ ጸገማት ጭንቀት፡ ምሽቓልን ድቃስ ምስኣንን ከም ዝዛየደ ተፈሊጡ። እቶም ቀንዲ ግዳያት ዝኾኑ ድማ መንእሰያትን እቶም ቅድሚ ሕጂ ስነ ኣእምራዊ ጸገማት ዝነበሮም ምዃኖም ተገሊጹ ክትብል ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ጸብጻባት ዩኒቨርስቲ ኦብሳላ ከምዝሕብርዎ፡ ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና ጥራይ፡ ኣስታት 30% ካብ ሽወደናውያን ጸገማት ጭንቀት ከምዘጋጠሞም ተፈሊዩ ኣሎ። ኣብ ንቡር ኩነታት፡ እዚ ቁጽሪ 10% ምዃኑ …

  • 24 July

    ኣየርላንድ፡ ንሽወደን ብምንጻል ኣብ ልዕሊ 15 ሃገራት ኣንቢራቶ ዝጸነሐት ናይ መገሻ እገዳታት ኣልዒላቶ

    መንግስቲ ኣየርላንድ፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ናይ 15 ሃገራት ኣንቢርዎ ዝጸንሐ ናይ 14 መዓልታት ናይ ውሸባ ግዴታ ብምልዓል ከም ቅደሞም ክኣትዉ ምፍቃዱን ንሽወደን ኣብዚ ዝርዝር ዘይምእታዉን ተፈሊጡ። ብመሰረት መርበብ ሓበሬታ TT፡ ኣየርላንድ ዝወሓደ መጠን ለበዳ ኮሮና ካብ ዝተራእየለን ሃገራት ኣውሮፓ ሓንቲ ኮይና፡ መጠን ለበዳ’ታ ሃገር፡ ካብ መንጎ 100 ሽሕ ሰባት 5 ጥራይ ብቫይረስ ኮሮና ከም ዝልከፉ እዩ ዝሕበር። ካብተን ዜጋታተን ብዘይ …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com