Friday , May 10 2024

ኮረና ቫይረስ

July, 2020

  • 18 July

    ንተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ፡ ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ናይ ምቕጻል ምርጫ ክፉት ምዃኑ መንግስቲ ሓቢሩ

    ናይ ርሕቀት ምስትምሃር (Distans utbildning) ምርጫ ነተን ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርታት ክፉት ኮይኑ ከምተገድፈ መንግስቲ ሓቢሩ። እዚ ድማ ብሰንኪ ኣብ መጓዓዝያ ባቡርን ኣውቶብሳትን ከጋጥም ዝኽእል ጻዕቂ ተሳፈርትን ከስዕቦ ዝኽእል ስክፍታታት ለበዳ ኮሮና ንምውጋድ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ጽድያ፡ ቅልውላው ኮሮና ምስ ኣጋጠመ፡ ቤት ትምህርታት ኣፍደጊአን ዓጽየን ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ምጅማረን ይዝከር። ዝቕጽል ቀዎዒ ድማ ከምእንደገና ኣፍደጊአን ከርሕዋ መደብ ኣሎ። ቤት …

  • 17 July

    ካርልሰን፡ ልዕሊ 40% ካብ ተቐማጦ ስቶክሆሎም ጸረ ቫይረስ ኮሮና ዝኾኑ ጸረ-ነፍሳት ዝስከሙ እዮም ተባሂሉ

    ልዕሊ 40% ካብ ተቐማጦ ስቶክሆሎም ጸረ ሕማም ኮቪድ-19 ዘስዕብ ቫይረስ ኮሮና ጸረ-ነፍሳት ዝስከሙ እዩም ክብል ሓላፊ ኣሃዱ ህዝባዊ ጥዕና፡ ዮሃን ካርልሰን ከምዝገለጸ ጋዜጣ DN ሓቢራ። ካብ 17.5% ክሳብ 20% ዝኾኑ ካብ ተቐማጦ ስቶክሆሎም ባህርያዊ ጸረ-ነፍሳት ዝነበሮም ክኾኑ እንከለዉ ክንደኦም ድማ ሓደስቲ ጸረ-ነፍሳት ዘማዕበሉ ክህልዉ ከምዝኽእሉ ኣሃዛዊ ጸብጻባት ኣሃዱ ህዝባዊ ጥዕና ይሕብሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣንጻር ቫይረስ ኮሮና ጸረ-ነፍሳት ዝስከሙ ተቐማጦ …

  • 17 July

    ዶባት ዴኒማርክ ንተወሰኽቲ ምምሕዳራት ሽወደን ክፉት ኮይኑ ተባሂሉ

    ሃገረ ዴኒማርክ፡ ንሽወደናውያን ብዘገምታ ዶባታ ትኸፍተሎም ምህላዋ ተሓቢሩ። ካብ ትማሊ ሓሙስ ጀሚራ ድማ ንካብ ምምሕዳራት ሃላንድ፡ ቬርምላንድን ካልማርን ዝመጹ በጻሕቲ ክትቅበል ድልውቲ ምዃናን ብወገን በጻሕቲ ድማ ናይቲ ከባቢ ነበርቲ ምዃኖም ዘረጋግጽ ነባርነት (folkbokföringsbevis) ክማልኡ ከምዝግባእ ገሊጻ ክብል TT ኣቃሊሑ። ኣቐድም ኣቢላ ሃገረ ዴኒማርክ፡ ዶባታ ንካብ ምምሕዳራት ስኮና፡ ብሊኪንጋ፡ ክሮኖቤሪን ቬስተርቡቲንን ዝመጹ በጻሕቲ ከፊታ ምንባራ ይዝከር። ብመንገድታት ባሕርን መሬትን (ቢንቶ) ዝመጹ …

  • 16 July

    ሓድሽ ክታበት ኮሮና ናብ ሰባት ድሕሪ ምፍታኑ ኣወንታዊ ውጽኢት ተረኺብዎ ተባሂሉ

    ኩባንያ ሞደርና፡ ኣብ ልዕሊ 45 ሰባት ዝገበሮ ናይ ኮቪድ-19 ናይ ክታበት ፈተነ ጹቡቕ ውጽኢት ከምዝተረኽቦ SVT ሓቢሩ። እዛ ኣሜሪካዊት ኩባንያ፡ እታ ንመጀምርያ እዋን ፍርያት ክታበት ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝፈተነት ምንባረ ይዝከር። እዚ ናይ ክታበት ፈተና ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ዕድመ ዘለዎም ሰባት (18 – 55 ዓመት) ብዝተፈላልዩ ዓቐናት ከምዝተፈተነ ይፍለጥ። ኣብ መጀመርያ ፈተነ፡ እቶም ሰባት ኣብ ውሽጢ 28 መዓልታት ክልተ ግዜ …

  • 16 July

    ኣብ ጉዳይ ኤውሮፓዊ ቁጠባዊ ሕውየት ምስ ሎቬን ንምዝታይ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እስጳኛ ናብ ስቶክሆልም ኣትዩ

    ቀዳማይ ሚኒስተር ስፔይን፡ ፔድሮ ሳንቼዝ፡ ናብ ስቶክሆልም ወግዓዊ ምብጻሕ ብምክያድ ንተሪር መርገጺ ሎቬን ኣብ ጉዳይ ኤውሮፓዊ ቁጠባዊ ሕውየት ንምልዋጥ ዝምልከት ዘተ ከካይድ እዩ ተባሂሉ። ኤውሮፓዊ ቁጠባዊ ሕውየት፡ ነተን ብቫይረስ ኮሮና ብኸቢድ ዝተሃስያ ሃገራት ዘስዓቦ ቅልውላው ንኽሓልፈኦ ንምሕጋዝ ተባሂሉ ዝወጸ እዩ። ኣብ መንጐ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረትን ዝህሉ ዝርርብ፡ ብሰንኪ ዝተፈጥሩ ፍልልያት፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ናብ ወሳኒ ምዕራፍ ክሰጋገር እዩ ተባሂሉ’ሎ። …

  • 16 July

    10% ካብ ነበርቲ ሽወደን ዝኾኑ ስደተኛታት ናይ ኣባይቶም መድሕን (insurance) የብሎምን ተባሂሉ

    ካብ ማእከል ስታቲስቲክስ ሽወደን (SCB) ዝተረኽቡ ኣሃዛት ከም ዝሕብርዎ ሓደ ካብ ዓሰርተ ካብቶም ካብ ሽወደን ወጻኢ ዝተወልዱ ሽወደናውያን ናይ ኢንሹራንስ ኣገልግሎት ከም ዘይጥቀሙ SVT ሓቢሩ። ናይ ኣባይቲ ናይ መድሕን ጉዳይ ብቐንዱ ድሕሪ’ቲ ኣብ ኩፐርጎርደነን፡ ብላድስክሮና፡ ዘጋጠመ ናይ 100 ሰባት ኣባይቲ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ዝገበረ ሓደጋ ባርዕ ምልዓሉን ካብኣቶም ድማ እቶም ሸሞንተ ናይ ገዛ ውሕስነት (insurance) ዘይነበሮም ብምዃኑ ነቲ ኩነታት ኣሸጋሪ …

  • 16 July

    ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና መጠን ብዝሒ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝሓለፉ ተማሃሮ ልዑል ምንባሩ ተገሊጹ

    ጸብጻባት ኣሃዱ ትምህርቲ ከምዝሕብሮ፡ ቅልውላው ኮሮና፡ ኣብ ልዕሊ ውጽኢት ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣይነበሮን ክብል ከምዝገለጸ TT ሓቢሩ። ኣብዚ ዓመት’ዚ ካብ 9ይ ክፍሊ ናብ 10ይ ክፍሊ ዝሓለፉ መጠን ብዝሒ ተማሃሮ 85.3% ብምብጽሑ ነቲ ናይ ዓሚ ዝነበረ 84.3% ሓሊፍዎ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ። ብቑጽሪ ብርክት ዝበሉ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ (78.1%)፡ ነቲ ዝተመደበሎም 3 ዓመታት ብዓወት ክዛዝሙ እንከለዉ ዓሚ ግን ክሳብ 76.6% …

  • 15 July

    ዜና ሽወደን ብትግርኛ Swedish News in tigrigna 15 juli 2020

    ገለ ካብ ናይ ሎሚ ትሕዝቶ ዜና፡ 1. ጀርመን ኣብ ልዕሊ ሽወደን ኣጽኒዓቶ ዝጸንሐት ናይ ምውሻብ ግዴታ ኣልዒላቶ 2. ኩባንያ ፖስትኖርድ (Postnord)፡ መልእኽታት ዘረክበሉ ቆጸራ ክቕይር እዩ ተባሂሉ #sverige #alkompis #sweden #Tigrinja

  • 15 July

    ኩባንያ ስካንያ፡ ጠለብ ናይ ጽዕነት መካይን ብምውሳኹ መጠን ፍርያት ኩባንያ ከዛይዶ መዱቡ ተባሂሉ

    ጠለባት ዓበይቲ መካይን ኣብ ሽወደን ካብ ትጽቢት ንላዕሊ ስለዝጸንሐ፡ መጠን ፍርያት ዓበይቲ መካይን ንምውሳኽ ኩባንያ ስካንያ መደብ ሒዙ ይርከብ። ስለዝኾነ ድማ፡ እቲ ኩባንያ፡ ንገለ ካብቶም ኣሰናቢትዎም ዝጸንሐ ኣባላት ናብ ስራሕ ክመልስ ከም ዝኽእል ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ኩባንያ ስካንያ፡ ነቲ ቅድሚ ቅልውላው ኮሮና ዝነበረ መጠነ ፍርያት ዓበይቲ መካይን ኣብዚ ክረምቲ ክውስኸሉ ምዃኑ ምንጭታት ሓቢሮም። እዚ ተመዲቡ ዘሎ ወሰኽ መጠን ፍርያት፡ ካብ …

  • 15 July

    ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት፡ ናብ ጀርመን፡ ፖላንድን ኣንዶራን መገሻ ከምዝጀመረ ገሊጹ

    ካብ ሎሚ ዕለት 15/07/2020 ጀሚሩ ናብ ጀርመን፡ ፖላንድን ኣንዶራን ዝጸንሐ ናይ መገሻ እገዳ ከምተላዕለ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ሓቢሩ። ናብ ስዊዘርላንድ ዝግበር ዘይተደልየ መገሻታት ንምቑጣብ ዝሕብር መምርሒ ግን ይቕጽል ምህላዉ ብተወሳኺ ሓቢሩ። ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት፡ ኣብ ክልተ ሰሙን ብዛዕባ መገሻታት ዝርከብ ሓድሽ ሓበሬታት ከመሓላልፍ ምዃኑ ሓቢሩ ከምዝነበረ ይዝከር። ኣብ ዕለት 29/07/2020 ድማ ካልእ ሓበሬታታት ከመሕላልፍ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ። …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com