Friday , May 10 2024

ሽወደን፡ ካብ ፍርያት ክታበት ጸረ ኮሮና ቫይረስ እጃማ ኣውሒሳ ተባሂሉ

ሽወደናዊ ብሪጣንያዊ ኩባንያ፡ ኣስትራ ዚኒካ፡ ምስ ኦክስፎርድ ዮኒቨርስቲ ብምትሕብባር ካብ ዘማዕብሎም ዘሎ ጸረ ኮሮና ክታበት፡ ንሃገራት ኤውሮፓ ሕብረት ተባሂሉ ኣስታት 100 ሚልዮን ንኸዳሉ ተሰማሚዑ ከምዝነበረ ይፍለጥ። ሽወደን ድማ ካብቲ ፍርያት፡ እጃም ኣውሒሳ ምህላዋ ኣወሃሃዲ ክታበት፡ ሪቻርድ ቤርገስትሮም፡ ገሊጹ።

ኣየናይ ዓይነት ክታበት ኣድማዒ ከም ዝኸውን’ኳ እንተዘይፈለጥና፡ ኣብ ዝተፈለለዩ ዓይነታት ግን ወፍሪ ነካይድ ኣለና። ኣብ ክረምቲ ምስ ገለ ኩባንያታት ብደረጃ ኤውሮፓዊ ሕብረት ክንፈራረም ኢና። ኣብ መጀመርያ ናይ ዝቕጽል ዓመት ድማ ጠለባትና ናብ ሽወደን ከምዝበጽሕ ክንገብር ክንጽዕር ኢና። ብሓፈሻ ኣብ ዝቕጽል ዓመት፡ ንኹሎም ክታበት ዘድልዮም ሰባት ዝኸውን እኹል ቀረብ ክህልወና እዩ ክብል ቤርገስትሮም ንሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።

ኩባንያ ኣስትራ ዚኒካ፡ ብሚልዮናት ዝቑጸር ናይ ክታበት መድሃኒት ኣብ ወርሒ መስከረም/2020 ከፍሪ ትጽቢት ይግበር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com