Friday , May 10 2024

ብቫይረስ ኮሮና ልኽፍቲ ምዃና እናፈለጠት ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዝሰርሐት ሰበይቲ ናብ ፍርዲ ቀሪባ

ኣብ ምምሕዳር ሄሊፎሽ ዝርከብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ እትሰርሕ ሰበይቲ ናብ ፍርዲ ቀሪባ ተባሂሉ። እዛ ሰበይቲ መርምራ ገይራ ብቫይረስ ኮሮና ከምተለኽፈት ምስ ተሓበራ፡ ኩነታታ እናፈለጠት ናብ ስራሓ ከምዝኸደት ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።

ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ፡ ነቲ ፍጻሜ፡ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰባት ሓደጋ ዘውርድ ከቢድ ፈተነ መጥቃዕቲ ብዝብል ኣብ ልዕሊ እታ ሰበይቲ ክሲ መስሪቱ ኣሎ።

ሕማም ኮቪድ-19፡ ሓደገኛ ማሕበራዊ ሕማም ከም ምዃኑ መጠን፡ ብሰንኪ ፍጻሜ ናይዛ ሰበይቲ ገለ ሰባት በቲ ቫይረስ ክልከፉ ወይ ድማ ክሳብ ናይ ሞት ሓደጋ ከስዕብ ስለዝኽእል፡ ከቢድ ፈተነ መጥቃዕቲ ኢልናዮ ኣለና ክትብል ናይቲ ጉዳይ ህዝባዊ ኣኽባሪት ሕጊ፡ ኦሳ ሂዲንግ፡ ገሊጻ።

ምምሕዳር ሄሊፎሽ ነቲ ጉዳይ ብዝምልከት ዝኾነ ዓይነት ርእይቶ ካብ ምሃብ እኳ እንተተቖጠበ፡ እታ ሰበይቲ ካብ ስራሓ ከምተባረረት ግን ኣረጋጊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com