Friday , May 10 2024

ኩባንያታት፡ መቦቀል ዘይብሉ ናይ ሕማም ዕረፍትን ወሰኽ ደሞዝን ብምቕራብ ናይ ምትላል መስርሕ ፈጺመን ተባሂሉ

ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና ምስ ናይ ሕማም ዕረፍቲ ዝተሓሓዝ ናይ ሽርክነታዊ ምትላል ተርእዮታት እናበዝሑ ከምዝመጹ ተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ  ገሊጹ።

ገለ ኩባንያታት ብሃንደበት ካብ ባዶ ተበጊሰን ልዑል መጠን ደሞዝ ብምሕታተን ማዕከን ማሕበራዊ ድሕነት ን300 ጠለባት መርመራ ክግበረሎም ብምባል ከምዘወንዘፎም ተገሊጹ።

እቶም ካሕሳ ሓቲቶም ዝተወንዘፉ ጉዳያት፡ ወርሓዊ ካብ 20 ክሳብ 40 ሽሕ ኮሮና ዝሓቱ እዮም። እዞም ጉዳያት’ዚኣቶም ኣብ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ምቕራብን ብምትላል ዝተጠርጠሩን ኮይኖም ብፍላይ ድማ እተን ብቅልውላው ኮሮና ኣጸቢቑ ዝተሃስያ ጽላታት ሆቴላትን ናይ ታክሲ ኩባንያትታ እየን።

እዚ ድማ ብፍላይ ንናእሽቱ ኩባንያትታ ዝምልከት እዩ ክብል ሃገራዊ ኣወሃሃዲ ውዱብ ገበናት ኣብ ማዕከን ማሕበራዊ ድሕነት፡ ቶማስ ፎልክ፡ ገሊጹ።

ኣብ ገሊኡ ዝተወንዘፉ ሕቶታት እቶም ኣስራሕቲ ነቲ ሓበሬታ ከም ዝኣረምዎ ተፈሊጡ ኣሎ። እቲ ማዕከን ንገለ ካብቶም ሕቶታት  ከም ዝሰረዞምን ወነንቶም ድማ ዝኾነ ካሕሳ ከም ዘይረኸቡን ገለ ድማ ናብ ፖሊስ ክመሓላለፉ ከምዝኽእሉ ሓቢሩ።   

ከም ኣብነት፡ ኣብ መጀምርታ ዓመት ዝኾነ ዓይነት ናይ ደሞዝ ክፍሊት ይኹን ናይ ሕማም ካሕሳ ዘየርኣያ እንተኾነ ብሃንደበት ኣብ ወርሓ ሚያዝያን ግንቦትን ናይ ደሞዝ ክፍሊተን ዘርኣያ ኩባንያታት ኣለዋ ክብል ፎልክ ሓቢሩ። ብዘይካ’ዚ፡ ወከልቲ ኩባንያታት፡ ቅድሚ መንግስቲ ናይ ሕማም ካሕሳ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ምኽፋል ምጅማሩ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ደሞዞም ርኡይ ዝኾነ ወሰኽ ከምዘርኣየ ብምውሳኽ ገሊጹ።

ካብ ወርሒ ሚያዝያ ክሳብ ሓምለ ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ማዕከን ማሕበራዊ ድሕነት፡ ንብምልኡ ናይ ሕማም ካሕሳታት ከም ዝኸፈለ ይዝከር።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ጥራይ፡ እቲ ማዕከን ን75 ሽሕ ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ንምኽሓስ ናይ 5 ቢልዮን ክሮነር ኣብ ወርሒ ግንቦት ድማ ናይ 3 ቢልዮን ክሮነር ወጻኢታት ገይሩ ከምዝነበረ ሓቢሩ።

ኣብ ምሉእ ዓመተ 2019 ዝነበረ ናይ ካሕሳ ክፍሊት ክሳብ 1.1 ቢልዮን ክሮና ምንባሩ ዝሓበረ ፋልክ፡ እዚ ገንዘብ ናይቶም ግብሪ

ዝኸፍሉ ሰባት ስለዝኾነ ናብቶም ናይ ብሓቂ ካሕሳ ዘድልዮም ጥራይ ክወሃብ ዝግባእ እዩ ክብል ብትሪ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com