Friday , May 10 2024

ጋዜጣታት ኣመሪካ፡ መንግስቲ ሸወደን ንቑጠባ ቅድሚ ጥዕና ሰሪዑ ይብላ . . . ሚኒስተር፡ እዚ ዝበሃል ዘሎ ሓሶት እዩ ትብል

ኣመሪካዊት ጋዜጣ ኒው ዮርክ ታይምስ ንኣተሓሕዛ ቅልውላው ኮሮና ሽወደን ኣመልኪቱ፡ ንመላእ ዓለም “ናይ መጠንቀቕታ ሞዴል” ኮይኑ’ሎ ብምባል ነቒፋቶ።

ኣብ ላንደን ዝመደብሩ ክኢላ ስነ-ቚጠባ፡ ፒተር ጉድማን፡ መንግስቲ ሽወደን ኣብ እዋን ቅልውላው ለበዳ ኮሮና ኣብ ክንዲ ጥዕና ሕብረተሰብ ንቑጠባ ቀዳምነት ብምሃብ ፈተነ ኣካይዱ ከም ዝፈሸለን ነቒፉ።

ናይ ወጻኢ ንግዲ ሚኒስተር፡ ኣና ሃልፕሪ፡ ነዚ ሽወደን ካብ ጥዕና ንላዕሊ ቊጠባ እያ እተቐድም ዝብል ክሲ ነጺጋቶ ኣላ። ሰደድ ሽወደን ኣብ ግንቦት ብ 26% ከም ዝወረደ ዝገለጸት ሃልፕሪ፡ ምንቁልቋል ቁጠባ ሽወደን ኣብ ወርሒ ሰነ እውን ምቕጻሉ እንተኾነ ግና ተስፋ ዘለዎ ኩነታት ምህላዉ ገሊጻ።

ትጽቢታት ጸብጻባትና ከም ዝሕብርዎ፡ ኣብ ካልኣይ ርብዒ ዓመት ሰደዳትና ብዙሕ ዘተባብዕ ዝኸውን ኣይመስልን። እዚ ይኹን እምበር ብዙሓት ኣቕሑ ካብ ወደብ ዮቶቦሪ ተበጊሶም ይወጹ ምህላዎምን ኣብ ጽርግያታት ብዙሕ ዝዓይነቱ ኣገባብ ትራንስፖርት ይነጥፍ ምህላዉን ንርኢ ኣሎና” ክትብል ወሲኻ። ካብ ቀረባ ሳምታት ጀሚሮም መንኮርኮር ተሽከርከርቲ ክንቀሳቐሱ ጀሚሮም ኣለዉ ድማ ኢላ ብመሰረት ሬድዮ ሽውደን።

ሽወደን 12 ግዜ ካብ ናይ ኖርዌይ ዝበዝሕ መጠን ሞት ካብ ሚልዮን ዘመዝገበት ሃገር ኮይና ምስ ፊንላንድ ብምውድዳር ብሸውዓተ ዕጽፊ ምስ ዴንማርክ ብምውድዳር ድማ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ዝበዝሕ ግዳያት ከም ዘለውዋ ጉድማን ኣብ ዝጸሓፎ ዓንቀጽ ገሊጹ። እዚ ዓይነት ዋጋ’ኳ እንተ ኸፈለት፡ ቁጠባ ሽወደን፡ ጌና ኣብ ደሓን ዝበሃል ኩነታት ከም ዘየሎን ድማ ገሊጹ። መንግስቲ ሽወደን ክሳብ ነገራት ኣጸቢቖም ዝጋደዱ ስልቱ ዝቕይር ኣይመስልን፡ ዝበለ ድማ ክኢላ ስነቚጠባ ዴንማርክ ኣብ ትካል ፒተርሰን ዋሺንግተብ ዝኾነ ጃኮብ ሲርክጋርድ እዩ። እቲ ዝብልዎ ፋይናንሳዊ መኽሰብ ከም ዘየለ ኣቐዲሙ ንጹር ነይሩ ክብል ድማ ወሲኹ ኣብሪሁ።

ሽወደን ብዓይኒ ፋይናንስ ምስ ካልኦት ሃገራት ብምንጽጻር ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ኣላ ብዛዕባ ዝበሃል ጉዳይ ርግጸኛ ከም ዘይኮነት ዝገለጸት ሃልፕሪ “ኢንዱስትሪ ሽወደን ኣብ ኣህጉራዊ ቀረብ ዝምርኮስ እዩ። ወጻኢ ዓለም ዕጹው ምስ ምዃኑ እቲ ሃስያ ከቢድ ክኸውን ከምዝኽእል ክንኣምን ይግበኣና ክትብል ዘረባኣ ዛዚማ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com