Friday , May 10 2024

መጠነ መልከፍቲ ቫይረስ ኮሮና ክብረ ወሰን ሒዙ

ብዝሕ ዝበሉ ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ኣብ ዝልከፍሉ ዘለዉ እዋን ከም ዘለና ይግለጥ። ብመሰረት ጸብጻባት ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራይ 230 ሽሕ ሰባት ዝልከፍሉ ኣጋጣሚ ከም እተፈጥረን፡ እዚ ድማ ዝለዓለ ኣሃዝ ምዃኑን ተሓቢሩ። 

ዝበዝሑ መልከፍታት ድማ ኣብ ሕቡራት መንግስትታ ኣመሪካ፡ ህንዲን፡ ብራዚልን ደቡብ ኣፍሪካን እዮም ዘጋጥሙ ዘለዉ ኢሉ እቲ ጸብጻብ።፡

 እቲ ናይ ቀረባ ዝበሃል ናይ 24 ሰዓታት ጸብጻብ ቅድሚ ክልተ መዓልታት ዝተገብረ እዩ። ብዓርቢ 10 ሓምለ ጥራይ 228 ሽሕ ሰባት ከም ኣተለኽፉን ብዝሒ መጠነ ሞት ድማ ናብ 5000 ኣብ መዓልቲ ገጹ ይመጣጠር ኣሎ ድማ ተባሂሉ’ሎ። 

 ብሓፈሻ ኣብዚ እዋን ብደረጃ ዓለም 12.8 ሚልዮን ሰባት በዚ ሕማም ኸም እተለኽፉ  ካብዚኣቶም ድማ 570 ሽሕ ምሟቶም ዩኒቨርሲቲ ጃን ሆፕኪንስ ካብ ሕ/መ/ኣ ኣመልኪቱ። 

 ዝበዝሑ በዚ ሕማም ዝተለኽፉ ሰባት ኣብ ኣመሪካ እዮም ዝርከቡ። ኣብ ኣመሪካ ዛጊት 3.3 ሚልዮን ሰባት በዚ ሕማም ከም ዝተለኽፉን 135 ሽሕ ሰባት ምሟቶምን ድማ ይፍለጥ።ሱዳን ንኣመንቲ ሃይማኖት እስልምና ንዘይኮኑ ሰባት ጥራይ ኣልኮላዊ መስተ ኣፍቂዳ። 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com