Friday , May 10 2024

ኩባንያታት ኣማዞንን ጉግልን ብዛዕባ ኮሮና ቫይረስ ዝምልከት ናይ ሓሶት ዜና ይምውላ ኣለዋ…. ብኸመይ ኣገባብ?

ዓለማውያን ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ዝኾና ጉግልን ኣማዞንን ናይ ሓሶት ዜና ንምድላው ሚልዮናት ዶላራት ይምውላ ምህላወን ብምምልካት ሓደ በዓልመዚ ምክትታል ዘይቅኑዕ ሓበሬታታት (Global Disinformation Index)  ምስ DW ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ እዘን ኲባንያታት ሓላፍነት ክስከማ ከምዝግባእ ሓቢሩ። 
እዘን ናይ ሓሶት መርበባት፡ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ናይ ሓሶት ዜናታት ብምፍብራኽን ክልሰ ሓሳባዊ ውዲት ብምፍጣርን ክሳብ 25 ሚልዮን ዶላር ዝበጽሕ ኣታዊ ከኻዕብታ ከምዝኽእላ ተገሊጹ።
ብመሰረት መመያ ሓቅነት ዜናታት ዝከታተል፡ ግሎባላዊ ዲሲንፎርሜሽን ኢንዴክስ (GDI)፡ ብዛዕባ ኮቪድ-19 ዘይቅኑዕ ሓበሬታ ዘመሓላልፉ መርበባት፡ ብመንገዲ ምውዕዋዕ ኣቢለን ገዚፍ ዝኾነ መኽሰባት ከምዝረኽባ ሓቢሩ። 
ካብ 480 ዝኾና ምውዕዋዕን ብዛዕባ ኮቪድ19 ናይ ውዲት ክልሰ ሓሳብ ዘቕርባን ካልእ ዜናታት ዘውጽኣ መርበባት ብፍላይ ጉግልን ኣማዞንን 95 % ናይ መወዓውዒ ኣታዊታት ከምዘኻዕብታ ይፍለጥ። 
እዚአን ጥራይ ዘይኮና፡ ዓበይቲ ኩባንያታት ዓለምና ዝኾና ከም በዓል ብሉምበርግ፡ ሎርያልን ማይክሮሶፍትን እውን ብመንገዲ ናይ ሓሶት መርበባት ሓበሬታ ናይ መወዓውዒ ስረሐን ከምዝዓማ ውን ተፈሊጡ ኣሎ። 
ኣካያዲ GDI ዝኾነ ክሬግ ዋገን፡ ዓለማውያን ኩባንያታት ናይቲ ዝፈጸመኦ ተሓተቲ ኮይነት ሓላፍነት ክስከማ ከምዘለወን ብምሕባር፡ ኣብዘን ከምዚ ዓይነት መርበባት ንምውዕዋዕ ዝኽፈል ነፍሲ ወከፍ ዶላር፡ ናይ ሓሶት መርበባት ንምሕጋዝ ዝኽፈል ገንዘብ ኮይኑ ንሓቀኛ መርበባት ሓበሬታ ኣብ ምዕፋን ተራ ዘለዎ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን ይብል። ክሬግ ብወገኑ" ናጽነት ሓበሬታ ማለት ብሓሶት ዶላር ምግሓጥ ማለት ኣይኮነን ድሕሪ ምባል እዘን ኩባንያታት ፍርያተን ዘወዓዋዓሉ መርበባት ናይ ምምራጽ መሰለን ብግቡእ ክጥቀማሉን ከምዝግበአን ኣዘኻኺሩ።
እዘን ኩባንያታት፡ ጸሊም ሊስታ ናይተን ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ዘመሓላልፋ መርበባት ክሕዛ ከምዝግበአንን ነዘን ሐደገኛ ተርእዮ ዘጐሃህራ መርበባት ሓበሬታ ምሓዝ ከም ምቁጽጻር ጌይረን ከይሓስበኦ ድማ  ኣተሓሳሲቡ። 
ንሱ ብዛዕባ ኮቪድ 19 ናይ ሓሶት ሓበሬታን ናይ ውዲት ክልሰ ሓሳብን ምዝርጋሕ ኣብ ሓፈሻዊ መስርሕ መኸተ እዚ ሕማም ኣሉታዊ ጽልዋ ክህልዎ ከም ዝኽእል ድማ ኣስሚርሉ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com