Friday , May 10 2024

ኣብ ሓደ ሰሙን 13000 ሰብ ስራሕ ደው ክብሉ ተሓቢርዎም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 13000 ሰብ ካብ ስራሕ ደው ከምዝበሉ ቤት ጽሕፈት ዕዩ ሓቢሩ። ኣብዚ ወርሒ እዚ ጥራይ (ወርሒ መጋቢት) ኣስታት 18367 ሰባት ካብ ስራሕ ደው ከምዝበሉን መብዛሕትኦም ካብ ከባቢታት ስቶክሆልም፡ ዮተቦሪን ማልመን ዝሰርሑ ዝነበሩ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ። ገምጋም ናይቶም ካብ ስራሕ ዝተባረሩ ሰባት ኣብዚ ሰሙን’ዚ ዝለዓለ ጥርዙ ከምዝበጸሐ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ብሰንኪ ሕማም ቫይረስ ክሮናን ንኸይላባዕ ብምባል መንግስቲ ዝኽተሎ ዘሎ ሜላን ብዙሓት ቁጠባዊ ትካላት ከምዝተሃስያ ብፍላይ ኣብ ጽላታት መጓዓዝያን ቤት ምግብን ዝተዋፈራ ትካላት እተን ቀንዲ ዝተሃስያ ምዃነን ተሓቢሩ። መንግስቲ ሽወደን ሰባት ካብ ስራሕ ንኸይስጎጉ ንግዝይኡ ስራሕ ደው ንኸብሉ ግዝያዊ መምርሒ ከምዘመሓላላፈ ይዝከር። ንኣገባብ ኣከፋፍላ ሰራሕተኛ ዝምልከት ድማ 50% ወሃብ ስራሕ ክኸፍል እንከሎ 40% ድማ መንግስቲ ንኽኸፍሎ ዝብል ውጥን እዩ። በዚ ድማ እቲ ሰራሕተኛ 90% ናይ ደሞዙ ይኽፈል።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com