Friday , May 10 2024

ሓደስቲ ሕጊታት፡ ባራትን ኣብያተ መግቢን ናይ ጣውላ ኣገልግሎት ጥራይ ክህባ ተወሲኑ።፡

ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምምካት ባራት ኣብያተ መግቢን እንዳ ሻሂን ናይ ጣውላ ኣገልግሎት ጥራይ እዩ ዝወሃብ ይበሃል ኣሎ።” እዚ ኲነታት ኣዝዩ ጽንኩር ብምዃኑ ውሳነ ዘድልዮ እዩ” ክትብል ሚኒስተር ማሕበራዊ ጒዳያት ሊርና ሃለንግረን ሓቢራ። እዞም ሓደስቲ ውሳነታት ብሰሉስ ኣብ ዝተገብረ ግዜጣዊ መግለጺ ኣብ ባንኮ ዝግበር እንግዶት ክቋረጽ ምዃኑን ናይ ጣውላ ኣገልግሎት ጥራይ እዩ ክወሃብን ተባሂሉ ኣሎ። ሰባት ካብ ጣውላ ሓሊፎም ኣብ ባንኮን ብደውታን ክዘናግዑ ምስ ዝጅምሩ ምዕጓጒ ከም ዝፍጠርን እዚ ድማ ንምስፍሕፋሕ እዚ ቫይረስ ምቹእ ኲነታት ከም ዝፈጥርን ዳይረክተር ጀነራል በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ዮሃን ካርልሰን ገሊጹ’ሎ። እዚ እገዳ ካብ ጽባሕ ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን እዩ።፡


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com