Tuesday , May 7 2024

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ለበዳ ኮሮና ኣመልኪቱ ንሽወደን መደረ ሂቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ስቲፋን ሎፍተን ኣብ ዝሃቦ መደረ ኣብዛ ጸባብ እዋን ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ነዚ ለበዳ ኣብ ምክልኻል ተራኡ ክጻወት ተላብዩ። ንሱ ብተወሳኺ በብግዜኡ ሓደስቲ ስጒምቲታት ክውሰዱ ከም ዝኽእሉ ኣስሚሩሉ’ሎ። ኲሉ ሰብ ብኣእምሮ ተዳልዩ ክጸንሕ ናይ ቀረባ መጻኢ ጥዕና፥ ህይወትን ሽቕለትን ሽወደን ጽንክር ዝበለ ክኸውን ከም ዝኽእል ድማ ኣመልኪቱ’ሎ።

ብዙሓት ክሓሙን ስድራኦም ክሰናበቱን ከም ዝኽእሉ ድማ ሓቢሩ። ንሱ ነዚ ሕማም ንምግታእ ለይቲን መዓልቲን ዝተግሁ ዘለዉ ሰብመዚ ጥዕናን ሓካይምን መምሃራንን ናእዳኡን ምስጋናኡን ገሊጹ’ሎ። መንግስቲ ዝከኣሎ ዂሉ ይገብር ከም ዘሎ ብምግላጽ ኲሉ ሰብ ኣብዚ ቃልሲ እጃሙ ከበርክት ደጊሙ ጸዊዑ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com