Friday , May 10 2024

ኮረና ቫይረስ

March, 2020

  • 28 March

    ነበርቲ ስቶክሆልም ብምኽንያት ፋሲኻ ናብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝግበር መገሻታት ከቛርጽዎ ይሕተቱ።

    ተቐማጦ ስቶክሆልም በዓል ፋሲካ ንምብዓል ናብ ጎትላንድ፣ኦረ፣ ኦላንድን ካሊኦት ከባብታት ሽወደን እንተ ድኣ መጺኦም፡ ልዕሊ ዓቕሚ ኣገልግሎት ሓለዋ ጥዕና’ዛ ከተማ ዝኾኑ ብዙሓት ብሕማም ክሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ክህልውዎም ስለዝኽእሉ ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብዛ ደሴት ንኽኣትዉ ተቐባልነት ከምዘይብሎም ሓላፊት ጥዕና ጎትላንድ፡ ሜሪ ሉፕ፡ ከምዝሓበረት ተለቪዥን ሽወደን TT ሓቢራ። ብዙሓት ካብ ተቐማጦ ስቶክሆልም በዓል ፋሲካ ንኸሕልፉ ናብቲ ኣብታ ደሴት ዝርከብ ዝውንንዎ ኣባይቲ ከምዝኸዱ …

  • 28 March

    ሽወደን፡ ልዕሊ 50 ሰባት ምትእኽኻብ ትኽልክል።

    ናይ ውልቂ ይኹን ማሕበራዊ ጽምብላት ኣብ ዝግበሩ ኣጋጣሚታት ልዕሊ 50 ሰባት ክእከቡ ፍቑድ ከምዘይኮነ መንግስቲ ሽወደን ሎሚ ኣብ ጋዜጥዊ መግለጺ መምርሒ ኣመሓላሊፉ። እዚ መምርሒ ካብ ሰንበት ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን እዩ። ነዚ መምርሒ ዝጥሕሱ ሰባት ክሳብ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ማእሰርቲ ክውሰነሎም ምዃኑ ብተወሳኺ ሓቢሩ። እዚ መንግስታዊ ውሳኔ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ ብመንገዲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ስተፋን ሎቪን፡ ተመሓላሊፉ። ቀዳማይ ሚኒስተር፡ …

  • 28 March

    ንኮሮናቫይረስ ዚምልከት ግዜያውን እተረጋገጸን ሓበሬታ

    ኣብ ሃገር ሽወደን ለብዳ ኮሮናቫይረስ ይግስግስ ኣሎ። ክፍሊ ህዝባዊ ጥዕና፡ ነቶም ምልክታት ዘርእዩን ዕድመኦም ልዕሊ 70 ዝኾነን ማሕበራዊ ርክባት ኬቋርጹ ይጽውዕ። ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ንወጻኢ ዚግበር መገሻ ኣድላዪ እንተ ዘይኮይኑ ኪቋረጽ ይመክር። ኣብዚ፡ ነቲ ቫይረስን ለበዳን ኣተሓሕዛኡን ዚምልከት ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል። ምርመራ ኮሮናቫይረስ ኣብ ሻሪተ በርሊን፡ ጀርመን፡ ፎቶ Christophe Gateau/TT.  ኣብቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ተለፎን ጽቕጥቅጥ ኣሎ፡ ነቶም ብሓቂ ዘድልዮም …

  • 27 March

    ካብ ኣደናገርቲ ኮሮና ቫይረስ ተጠንቀቑ

    ኮሮናቫይረስ ፍርህን ራዕድን ከስፍን ከሎ፡ ብዙሓት ሰባት ገንዘብ ንምኽዕባት ይጥቀሙሉ ኣለዉ። ገለ፡ ናይ ኣቕሑ ዋጋ የንህሩዎ፡ ገለ ድማ ካብ ክፍሊ ጥዕና ኢና እናበሉ ንኣረጋውያን ይዘምቱዎም ኣለዉ። ስለዚ ከምዚ ዚስዕብ ብምግባር ነብስኻ ሓሉ።  ከም ኮሮናቫይረስ ዝመሰሉ መዓታት ንገሊኡ ጽቡቕ ኪገብር ንገሊኡ ድማ ሕማቕ ኪገብር ይድርኹዎ ኢዮም። ገለን ኪተሓጋገዙ ይረኣዩ፡ ገለን ድማ ነቲ ኩነታት ተጠቒሞም የደናግሩ። ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ገለ ኣረጋውያን በቶም …

  • 27 March

    ኣብ ሽወደን ብዝሒ ብክሮና ቫይረስ ናይ ዝሞቱ ሰባት ናብ 92 በጺሑ።

    ብዝሒ ናይቶም ብሰንኪ ሕማም ቫይረስ ክሮና ኣብ ሽወደን ዝሞቱ ሰባት ናብ 92 ክብ ከምዝበለን ብዝሒ ናይቶም ብክሮና ቫይረስ ተለኺፎም ዘለዉ ሰባት 3046 ክኸውን እንከሎ ብዝሒ ናይቶም ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝግበረሎም ዘሎ ሰባት ግን 209 ከምዝበጽሐ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ሓቢሩ። ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ትሕቲ 50 ዓመት ዝዕድሚኡ ሰብ በዚ ሕማም ከምዘይሞተን ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ወይ ሰለስተ ሳምንታት ግን ብዝሒ ናይ …

  • 27 March

    ቀዳማይ ሚኒስተር ዓዲ እንግሊዝ፡ ቦሪስ ጆንሶን፡ ብክሮና ቫይረስ ተለኺፉ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ዓዲ እንግሊዝ፡ ቦሪስ ጆንሶን፡ መርመራ ናይ ደም ድሕሪ ምክያዱ ብቫይረስ ክሮና ተለኺፉ ከምዘሎ ከምዝፈለጠ ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ፈኮስቲ ምልክታት ናይቲ ሕማም ክስመዖ ድሕሪ ምጅማሩ መርመራ ክገብር ከምዝተገደደን ሎሚ ዓርቢ ድማ በቲ ቫይረስ ተለኺፉ ከምዘሎ ከረጋግጽ ክኢሉ። ቦሪስ ጆንሶን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ገዝኡ ተወሺቡ ከምዘሎ ድሕሪ ምሕባሩ፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ድማ ብመንገዲ ኢንተርኔት ኣቢሉ ስርሑ …

  • 27 March

    ስትራቴጂ ምዕጋት ቫይረስ ኮሮና ሽወደን ብገሊኡ ናእዳ ብገሊኡ ምንጻግ የጋጥሞ።

    ስትራቴጂ ምዕጋት ቫይረስ ኮሮና ሽወደን ብገሊኡ ናእዳ ብገሊኡ ምንጻግ ኣጋጢምዎ ተባሂሉ። ማዕከናት ዜና ጀርመን ስዱቱሽ ዘይቱንግ፥ ዲ ቬልትን ስቴርንን ሽወደን ኣብ ጒዳይ ቫይረስ ኮሮና ዘለዋ ፖሊሲ ዝልቕ ዝበለ እዩ ክትብል እንከላ ሽወደናውያን ክኢላታት ግና ቅኑዕ ፖሊሲ እያ ሓንጺጻ ትኽተል ዘላ ይብሉ ኣለዉ። ፕሮፌሰር ስተፋን ዊሊች ሽወደን ዕዉት ፖሊሲ እያ ትኽተል ዘላ ክብል ንፖሊሲ ሽወደን ንኢዱ።፡ ዛጊት ሽወደን ከም ሞዴል ክትውሰድ …

  • 27 March

    ሽወደን ምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ምስ ቊጠባዊ ሓልዮት ብምውህሃድ እያ ትሰርሕ ከምዘላ ተገሊጹ።

    ክኢላ ተባላዕቲ ሕማማት፥ ሽወደን ምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ምስ ቊጠባዊ ሓልዮት ብምውህሃድ እያ ትሰርሕ ዘላ ኢሉ። ሽወደን ቊጠባዊ ምንቅስቓስ እናካየደት ምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ተሳልጥ ኣላ ክብል ፕሮፌሰር ተላባዕቲ ሕማማት ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝህቦ ቃል ኣመልኪቱ። ኣብ ትካል ካሮሊንስካ ዝሰርሕ ኣንደርስ ብዦርክማን ሽወደን ንፍልሰት እዚ ለበዳ ብምክትታል ዘድሊ ፖሊሲ ክትሕንጽጽ ይግባኣ ኢሉ።፡ እዚ ይዂንምበር ሽወደን ሰብሞያ ጥዕና ኣብ ምምርምር ዝነኣድ ፖሊስ ከም …

  • 27 March

    ኣብ ሽወደን ብደረጃ ዞባ ቑጽሪ ብ ኮሮናቫይረስ ዝተልኽፉን ዝመቱን።

    ዞባ ዝተለኽፉ ዝሞቱStockholm 1 21 _ 42Västra Götaland 297- 1Skåne 256 – 3Östergötland 221 – 4Uppsala 117- 3Sörmland 114 – 9Jönköping 70 – 2Halland 70 – 0Örebro 66 – 0Jämtland 60 – 0Dalarna 52 – 1Värmland 45 – 1Gävleborg 39 – 0Västerbotten 37- 0Norrbotten 35 – 0Västmanland 31 – 0Västernorrland 21 – 0Kronoberg 20 – 0Kalmar 19 – 0Blekinge 15 – …

  • 27 March

    ብዛዕባ ቫይረስ ኮረና

    ካብ ታሕሳስ 2019 ጀሚሩ ኣብ ዓለም ሓደ ሓድሽ ቫይራስ ኮረና ይዝርጋሕ ኣሎ። ንመብዛሕትኡ ቀሊል ሕማም ይገብረሉ  ንመብዛሕተኦም ሰባት ሰዓልን ረስንን ዘለዎ ባዕሉ ዝጠፍእ ቀሊል ሕማም ዝገብረሎም ኮይኑ ንገሊኦም ግና ጸገማት ምስትንፋስን ነድሪ ሳምቡእን (ኒሞንያን) ዘለዎ ብርቱዕ ሕማም ይገብረሎም። እቲ ቫይረስ ምስ ዝሓመመ ሰብ ቀረባ ምርኻባት ምስ ዝህሉ ወይ ብነጠብጠብታዊ ለብዒ ማለት እቲ ዝሓመመ ሰብ ምስዝስዕል ወይ ሕንጥሸው ምስዝብል ይመሓላለፍ።  እቲ …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com